Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Swedenኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ሃገሮም ራሕሪሖም ኣብ መገዲ ስደት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ንዝጠፍኡ 400 ኤርትራዉያን ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገረ ሽወደን ናይ ሽምዓ ምዉላዕ ስነ-ስርዓት ብምድላዉ ንግዳያት ዝኽሪ ጌሮምሎም ኣምስዮም፡፡

ዕለት 25 ሕዳር ዓለምለኸ ጸረ ግህስትመዓልቲ ደቂኣንስትዮ ተባሂሉ ካብዝጽዋን ካብዝኽበርን ልዕሊ 20 ዓመት ዝኣክል ኣቑጺሩ እነሆ። እዚ መዓልቲዚ ንመዘከርታ ናይተን ጸረ ምልካዊ ስርዓት ዝተቓለሳ ሚራባል ዝተባህላ ሰለስተ ኣሕዋት ኣብ ዕለት 25 ሕዳር 1960 . ኣብ ዴሞኒካኒሸ ረፖፕሊክ ብግፍዒ እቲ ዝነበረ ዓማጺ ስርዓት ጸጥታዊ ትካል ተኣሲረን ንወርሒ ዝኣክል መግቢ ንኸይውሃበንን ከቢድ ምግፍዕን መግረፍትን ወሪድወን ንዝሞታ ተቓለስቲ ዝዝከር መዓልቲ እዩ።