Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንኢትዮጵያዊ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ብኣካል ኣይፈልጦምን እየ።ብዝተፈላለዩ ጽሑፋትን ሰነዳትን፤ከምኡውን ምስ ብዙሓት ምስዝፈልጥዎምን መጋድልቶምን ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ኣባላት ህወሓትን ኤርትራውያን ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ብዝካየድክዎ ዕላላትን ወግዕን ከምዝተረዳእኽዎ ግና ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ጅግና ሓርበኛ፤ተባዕ ወዲ ህዝቢ ምዑት ተጋዳላይ እዮም ነይሮም።