Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Boatግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ ሸፊልድ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ዝሃለቑ ልዕሊ 330 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ብዝወሰድዎ ተበግሶ ንክብሮም ናይ ሽምዓ ምብራህን ካልእን ንቀዳም 30/04/2011 መደብ ኣዳልዮም ኣለዉ። በዚ ምኽንያት ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ናይ ሃይማኖትን ካልእ ካልኣዊ ውልቃዊ ፍልልያትኩም ኣወጊድኩም ኣብዚ መደብ ክትሳተፉ ብክብሪ ትዕደሙ ኣለኹም።

bay aireaህዝብና ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ዘጋጠመ ደረት ኣልቦ ቅዝፈት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ መሪር ሓዘን ይርከብ። ሞት ናይዞም ኣስታት 400 ኤርትራውያን ዕሸላት ንኹሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራውን ንማሕበረሰብ ዓለምን ኣስካሕኪሕዎን ኣንቀጥቂትዎን እዩ። እህህ ኢልና ኣምሪርና ሓዚና እኳ እንተኾንና እቲ ጓሂ ግና ክወጽኣልና ኣይከኣለን።

ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ኣንጻር ገዛእቲ ሓይልታት ኣብ ዝገበሮ ሓያል መኸተ ኣእላፍ መስተንክራትን ጅግንነትን እንክፍጽም ማዕረ ምዕረኡ ድማ ብዙሓት ኣሰቀቕቲ ጸለምቲ ውዕሎታት ዊዒሉ እዩ።

ኣቦታትና ክምስሉ ንድሕሪት ጠምት ንቕድሚት ኣምት ይብሉ ማለት ካበይ ተበጊስካ ኣብቲ ጉዕዞ ኸ እንታይ ጽቡቕን ሕማቕን ኣጓኒፉካ ሓሲብካን ገምጋም ጌርካን ናብቲ ዝቕጽል ጉዕዞ ካብቲ ሕሉፍ ዝተፈጸመ ሕማቕ ንኸይድገም ይሕግዘካ ማለት ዩ።