Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

EDCሎሚ’ውን ብርእሰ-ምትእምማን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ክንረባረብ ኢና!! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብ15 መጋቢት 2011 ሰዓት 8:30 ቅድሚ ቀትሪ ብወግዒ ተኸፊቱን ዕማማቱ ጀሚሩን።

Sweedenብመሰረት እቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ መርበብ ሓበርታታትን ብስልክን ብኢመይልን ዝትዘርግሔ መጸዋዕታ ሕዝባዊ አኼባ ትማሊ ቀዳም ዕለት 16 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆም ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ካብ ፖሊቲካዊ ውድባትን ብርገሳዊ ማሕበራትን፣ ውልቀ ሰባትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኮሚስዮን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተኻዪዱ።

waelaኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብቲ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 09 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ ዕውት ሃገራዊ ዋዕላ ዝተመዘዘ ኣካል ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

Meskelበዓል መስቀል ንህዝቢ ኤርትራ በዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይምነ።

ሃገራዊ ጉባኤ ተሳትፎ ኩሉ ክውንነት ህዝብናን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን ብዘይዝኾነ ፍልልይ ዘውሕስን ብስልጡን ኣገባብ ኤርትራውያን ሕድሕድ ልዝባት ዘካይድሉን ዕውት መጋብኣያ ክኸውን ኮሚሽን ብዋዕላ ዝተነበረሉ እምነትን ብሓልዮትን ሓገዛትን ህዝብናን ብርቱዕ ጻዕርታት ክገብር ምዃኑ ይሕበር።

Kidanኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን –  ለበዋታት ሓፈሻዊ ዓውደ መጽናዕቲ  ንሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንዘተን ንደሞክራስያዊ ለውጢ – ካብ ዕለት 4—8 ሓምለ 2009 ዝተኻየደ

ብኣባል ኣሰናዳዊት ሽማገለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብሓው ኣምሃ ደመኒኮ ዝተመርሔ ኣኸባ ኣብ ስቶክሆልም ብዕለት 22 ግንቦት 2010 ኣብ ናይ ኣኸባታት መጋብኣያ ኣደራሽ ሽስታ ትሬፍ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ማእከል ዝገበረ ናይ ህዝቢ ኣኸባ ተኻይዱ።

Conference

ልኡኻት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ለንደን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብዕለት 23/05/2010 ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ክፉትን ሰፊሕን ኣኼባ ናይ ህዝቢ ትገብር ስለዘላ፡ ኩሉ ብዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኣምን ግዱስ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣብዚ ኣኼባ ‘ዚ ክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።

ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣትሒዙ ፤ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ንኹሉ ዝጥርንፍ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽግበር ክጽውዑን ክጠልቡን ጸኒሖም እዮም።

Kidanህዝብና ካብ ታሪኽ ተጋድሎ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣትሒዙ ክሳብ መስርሕ ነጻን ልዑላዊትን ሃገር ምርግጋጽ ይኹን ድሕርኡ ናብ ከባቢ 19 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጸረ-ህዝቢ ዝዀነ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ወዲቑ ሓሳረ-መከርኡ ረኺቡ’ሎ፡፡