Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

filfil

ንግዲ ዕጸ ፋርስ (ሓሽሽ): ብሞያ ብዝሰልጠኑ ሰባትን: ልዑል ጥንቃቐ ብዘማእከለ ታዕሊም ብዝወሰዱ ስልጡናት ንፍሉይ ናይ ዕጸ ፋርስ (ሓሽሽ) ሸቲቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዘውዕሉ ኣኽላባትን፡ ብዓለማዊ ምክትታል ሕጊ ፖሊስ ኢንተርፖል ክትትል ዝገበሮ ኮይኑ፡ ገና 'ውን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቑጽጻር ዘይኣተወ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን ሃገራትን ዓለም፡ ብሕልፊ ኸኣ ኣብ ልዕሊ'ቲ ሓድሽ ስነ ሓሳብን ምዕባለ ሃገርን ዓሚቕ ሰረት ዘንጽፍ ዓያዩ ጉልበት መንእሰይ ኣዕናዊ መቕዘፍቲ ዘኸትል ዘሎ ካብ ሕማማት መንሽሮን ቀዛፊ ሕማም ኤይድስን ፈሊኻ ዘይረአ ኣጽናቲ ምዃኑ ንማንም ስዉር ኣይኮነን።