Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ErittreanInAddissኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ ዓይኒን  ዓዲ ሓርሽን ተዓቝቦም ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ልዕሊ 17000 በቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ልዕሊ 400 ኤርትራዊ ትንፋስ ዘህለቐ ትራጀዲ ዝተሰምዖም

dictatorብሕልና ኣብ ቤትማእሰርቶም ኣቲና ነዚ ኩነት’ዚ ክነስተማቕሮ እንተንፍትን፡ ምሕሳቡ ጥራይ ‘ኳ ከምዘስካሕክሓና ፍሉጥ እዩ። ሓርበኛታት ተጋደልቲ፡ ዑቕበ ኣብርሃ፡ በራኺ ገብረስላሰ፡ ማሕሙድ ሸሪፎ፡ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ወዲ ኬክያ፡ ኣስቴር ፍጽሃጼን ድሩዕ፡ ሓምድ ሕምድ፡ ብርሃነ ገረዝጊሄር፡ እስቲፋኖስ ስዩም፡ ጀርማኖ ናቲ፡ ቢተወደድ ኣብርሃን ኩሎም እቶም ብፖለቲካዊ ምኽንያት ተኣሲሮም ዘለዉ ተጋደልትን ጋዜጠኛታትን ግን ንሸውዓተ ዓመታት በልዮሙሉ። ጸብጻብ ሞቶምን ህላዊኦምን ‘ውን እቲ ዓጽመ-ስጋኦም ዝፈላለየ ኣራዊት ጥራይ እዩ ዝፈልጦ።

asterሓብታ ንእስርቲ ኣስቴር ዮውሃንስ (ብዓልቲ ቤቱ ንእሱር ጴጥሮስ ሰለሙን)፡ ወ/ት ሰናይት የውሃንስ ነቶም ኣብ ትሕቲ ኣሰቃቒ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ግዳያት ወኪላ፡ ኣብ ክንዳኦም ድምጺ ንምስማዕ ብልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወዲቡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኣብ ዝካየድ መኣዲ ዘተ ክትሳተፍ ምዃና ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር።