Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

አብዚ እንዛዝሞ ዘሎና ዓመት 2009፡ኩነታት ሃገርና፡ ብዝተፈላለየ መዳያቱ ክርአ እንከሎ፡ አብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ንኩልና ብሩህ ኮይኑ ጸኒሑ አሎ። ቁጠባ ሃገርና ዓንዩ፡ህዝብና ንልማኖን ጥምየትን ዓጸቦን ተጋሊጹ፡ ስድራ ቤታት ተበታቲነን፡ከም ሳዓቤኑ’ውን ማሕበራዊ-ቅልውላው አኽቲሉ አሎ።