Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

China

ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝዘመቶ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣዋፊሩ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ወነንቲ ብርክታት ቻይናዊት ትካል ጊሊ ኣወቶሞቢል ሆልዲንግ ክኸውን ዝበቕዐ ፕረሲደንት ኢሰያስ፡ ሽወደናዊት ትካል መፍረ-መካይን ቮልቮ፡ ምስታ ቻይናዊት ትካል ኣብ ዝገበረቶ ውዕል ቢዝነስ፡ ገንዘቡ ኣብ ናይ ምዕራባውያን ትካላት እንተዋፊሩ ውሕስነት ከምዘይብሉ ብምግላጽ ዕቃበታት ብሰንኪ ምርኣዩ፡ እታ ቻይናዊት ትካል ነቲ መስርሕ ውዕል ስለዝሰረዘቶ፡ በዚ ኸኣ ሽወደን ከምዝተቖጥዐት ምንጭታትና ሓቢሮም።

Iranፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ኤርትራ ንዝኾነ ዲፕሎማት ተቐቢሉ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘዘራረበሉ ኣጋጣሚ፡ “ ኒኵሌራዊ ዓወት ኢራን ምንጪ ሓበንና እዩ፡ እታ ሃገር ኣብ’ዚ ጉዳይ ‘ዚ ንዘለዋ መርግገጺ ድማ ንድግፎ” ብምባል፡ ኒኵልየራዊ ጸዓት ምውናን ዘይትንከፍ መሰል ኢራን ምዃኑ ኣገንዚቡ፡ ኣገልግሎት ዜና ኢራን ሓቢሩ።

ነጻነት ራህዋ እዩ። ነጻነት ተኸቢርካ አብ ሃገርካ ምንባር እዩ። ነጻነት መሰልካ ዝኽበረላ ሃገር ምውናን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ከምቲ ዝተመነዮን ዝሓሰቦን እቲ ንዓመታት ብሃረርታ ዝተጸበዮ ነጻነት ከምቲ ሃረርትኡ አይረኸቦን።