Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሪፖርታዥ ብሚልክያስ ምሕረትኣብ ዮውሃንስ

ማሕበር ጠበቓታትን ናይ ሕጊ ኪኢላታት ኤርትራውያን(Eritrean law society) ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዓቢ ዋዕላ ኣህጉራውያን ጠበቓታት ኣፍሪቃ ተዓዲሙ ተሳቲፉ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣናትን ናይ ሕጊ ኪኢላታትን ካሎኦት ኣገደስቲ ሰባትን ብምርኻብ ዝምድንኡ ኣደልዲሉ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፣
Elsaሎሚ ብምኽንያት ሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ ምዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ ካብቲ ብዙሕ መዳርግቲ ዘይብሉ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሽኡን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮና ብፍላይ  ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ኣደራዕን ንኽዛረብ ዕድል ብምርካበይ ዝስምዓኒ ሓጎስ ወሰን የብሉን።

EUቤትምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ፡ ኣብቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት  ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ ውሳኔ 1907 ተመርኵሱ፡ ብቑጽሪ (5534/10)  ዝፍለጥ ንትግባረ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ምትግባር ንኽሕግዞ ዝኣመሞ ኣህጉራዊ ቀያዲ ስጉምታት ከምዘጽደቐ ብ 1 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

Swedenብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ- ኣንስትዮ፣  ኤርትራውያን ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ንውሕደት ኣብ ሽወደን፡  ምስ ስዊድናዊ-ኤርትራዊ ሕብረት ንዲሞክራስያዊ ምዕባለ፣ ንቀዳም ዕለት 6 መጋቢት 2010፡ ኣገዳሲ ሰሚናርን፡ ባህላዊ ምሸትን ኣዳልዩልኩም  ሰለዘሎ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ምሸት ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ይዕድመኩም ኣሎ።

ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1998-2000 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ዶባዊ ኵናት ንዝወረደ ዕንወት ብምምርማር ካሕሳ ንምውሳን ክነጥፍ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ መጋብኣያ ካሕሳ፡ ኤርትራን እትዮጵያን፡ ነንሕድሕደን ዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላራት ካሕሳ ክኸፍላ ውዱእ ውሳኔ ከም ዝሃበ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ብ19 መጋቢት ምስ ልኡኽ መንግስቲ ሊብያ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፡ ህግደፍን ሰውራ ሊብያን ‘ዲሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ’ ዝቴማኡ ኣህጉራዊ ዋዕላ ኣብ ኣስመራ ከካይዱ ብዛዕባ ኣዋዲዶሞ ዘለዉ ውጥን ከምዝተዘራረቡ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ስርዓት ገሊጻ።

ንድርብ ባዓል ኣህጉራዊ ማዓልቲ ሰቂ ኣንስትዮን፤ ባዓል ቶጎሩባን ኣብ Oakland California ንቀዳም March 21 2009 ሰፊሕ ብዓል ብድምቀት ንኽውዕል ዓቢ ምድላውን ምሽብሻብን ይግበር ስለ ዘሎ፤ ኣብዚ ታሪኻዊ ድርብ ብዓል እዚ ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ ድሙቅ ጸወታ ክህልወና ስለ ዝኾነ፤ ንኹሉ ኤርትራዊ/ዊት ብሓበራ ብዘይ ኣፋላላይ ሽማግለ ኣዳለውቲ ብዓል ብ ኣብሮት ትዕድም።

piaኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ኣንጻር ገበነኛታት፡ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ዳርፉር ብዝፈጸሞ ገበናት ‘ኵናትን ጸረ ሰብኣውነትን ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ናይ ማእሰርቲ ፍቓድ ከምዝሃበ ሎሚ 4 መጋቢት 2009 ኣብ ዘ ሄግ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

IREX ዝተባህለ ኣህጉራዊ መጽናዕታዊ ትካል፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣተኵሩ ኣብ ዘዳለዎ ናይ 2007 ጸብጻብ (Media Sustainability Index – 2007) ፡ ኤርትራ ነጻ መራኸቢ ብዙሃን ዘይብላ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብምዃና፡ ህዝባ ሚዛናዊ ሓበሬታ ኣብ ምርካብ ኮነ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ኣብ ምስትምቓር ኣዝዩ ተወጺዑ ከምዘሎ ብመርትዖ ዝተሰነየ መረዳእታ ኣቕሪቡ።