Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ሱዳን ናብ ሲናይ (ግብጺ) ብ 2500 ዶላር ተሰማሚዕም ዝተበገሱ ኣሕዋትና፡ ኣብ ሲናይ 2800 ኣኽፊሎሞም። ሲናይ ምስ ኣተዉ ከም እንደገና ካብ ሲናይ ንወስደኩም ኣለና ኢሎም ጠዋውዮም ናብ ካልእ ገዛ ብምውሳድ፡ ኣብ ክልተ ጉጅለ ከፋፊሎም፡ ነቶም ሓደ ጉጅለ ንነፍሲ ወከፎም 7000 ዶላር ኣመሪካ ነቶም ሓደ ጉጅለ ኸኣ 6000 ዶላር ኣመሪካ ኣምጽኡ እናበሉ ኣደዳ ሞትን ማህረምትን ገይሮሞም ኣለዉ።

Churches ኣቦ ኣርባዕተ ስዉኣት ቀሺ ወልደጽዮን ተኽለ ብበጋሚዶታት ህግደፍ ከቢድ ማህሰይቲ ወሪድዎም። ንተዋህዶ ሃይማኖት  ቤተርስትያን ኤርትራ መንግስቲ ህግድፍ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ናይ ስለላ መሓውሩ ካብ ዝገብራ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ።

ሓንቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ዝተበገሰት፡ ዝነቐለትሉ ዕለት ዘይተፈልጠ ጃልባ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ኣህጉራዊ መስመር ምስ በጽሐት ነዳዲ ወዲኣ ጠጠው ኢላ ከምዘላ ‘ሞ ኣብ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ከምዝርከቡ  ተሳፈርታ ተደጋጋሚ ናይ ረዲኤት ጻውዒት ይገብሩ ኣለዉ።


90 ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ኣብ ናይ ሞትን ህይወትን ኩነታት ከምዝርከቡ፡ ሓደ ካብኣቶም  ሎሚ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ኣብ ነርወይ ንዝረክቡ ቤተሰቡ ቴሌፎን ብምድዋል ርድኡና ክብል ጸዊዑ ኣሎ። 

ውልቀ መላኺ ኩሉ ናይ ውልቀ ሰባት ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ስለዝኸልከለን፡ እቲ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎ እውን እንተኾነ፡ ስማዊ ድኣ እምበር ብግቡእ ስለዘይሰርሕን  ናይ መንግስቲ ማሕለኻታት ስለዝበዝሖን፡ 90 ሚእታዊት ንኤርትራ ዝኣቱ እቕሑትን፡ እቲ ዝርካቡ ካብ ኤርትራ ዝወጽእ ሰደድን ኮንትሮባንዳ ኮይኑ ከምዘሎ እቶም ምንጭትት የርድኡ።