Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

waelaኮምሽን ንዝተዋህቦ ናይ ጊዜ ሕጽረትን ሰሌዳን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዕቱብ ስርሑ እናሰላሰለ፡ እንሆ ኣብ ሰላሳ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ዕዉት ዑደታት፡ 30 ህዝባዊ ሽማግለታት ብምቛም ንቕድሚት ይግስግስ ኣሎ።

ሎሚ’ውን ከም’ቲ ናይ ተበግሶ ሕዳር 2008፡ “ክህብ ዝበለ ብንያት” ዝብል ጭርሖ ኣልዕሊና፡ ናይ ኣካለ-ጽጉማትና ንናይ 2011 ዓመታዊ ባጀት ንምርካብ ናብ ህዝብናን ለገስቲ ትካላትን ጸዋዒት ነቕርብ።

Fish PFDJትማሊ 6 ሕዳር ‘ደሃይ ካብ ኤርትራ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ብልሽውና ክሳብ ክንደይ ሳዕሪሩ ከምዘሎ ጠቒስናልኩም። ሎሚ ድማ ከም ኣብነት ናይዚ ሕማም’ዚ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ህግደፍ ዝተኸስተ ጉዳይ ነቅርበልኩም።

June 20ኩልና ከም እንፈልጦ ስውኣትና ወትሩ አብ ዝኽርና ምህላዎም እዩ። እንተ ኮነ ግን 20 ሰነ ነቶም እዛ ሎሚ ሃገረ ኤርትራ እናተባህለት ትጽዋዕ ዘላ  ሃገር እቲ ዝግባኣ ክብርን ስፍራን አብቲ ናይ ዓለማዊ ካርታ ንኽትውንን ግብራዊ ዝገበሩ ንጹሃን ሰማእታት ኤርትራ ብኽብርን ብድምቀትን እንዝክረላ ረዛን ዕለት እያ።

ብሰንኪ ጻሕታሪ ተግባራት መሪሕነት (ህ.ግ.ደ.ፍ.) ብ23 ታሕሳስ 2009 ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፡ ዝወጸ ውሳኔ ብይን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ብምዝካር ንኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካናዳ ዝተዋህበ መተሓሳሰቢ ዘሐጉስ ስጉምቲ ብምውሳድኩም ሓጎሰይ ወሰን የብሉን።


ፈስቲቫል ህግደፍ ምዕራባዊ ዞና ሰሜን ኣሜሪካ ካብ 14 ነሓሰ ስጋብ 16 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ብዘይ ሓደ ፍረ ተዛዚሙ። ሕግደፋዉያን ዘመኖም ከምዘብቅዔ ከም ጸሓይ ቀትሪ ተኾሊዑሎም። ዘይተኣደነ ገንዘብ እዮም ኣጥፊኦም ኣለና ንኽብሉ። ቁጽሪ ተሳተፍቲ ግና ኣይግድን። ናብቲ ባህላዊ ምሸት ዝኸዱ መብዛሕትኦም ትሕቲ ዕድመ ህጻውንቲ ኣብ ርእሲ ምኻኖም እቶም ዝርካቦም ዓበይቲ ድማ ነቲ ስርዓት ኣሚኖምሉ ዘይኮነስ ንቆርጫጭ ክርእዩ ኢሎም እዮም ከይዶም።  ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣዳልዮም እተን ቅድሚ ሕጂ ዝሳተፋ ዝነበራ ካብ ኣርባዕተ ዘይውሕዳ ጋንታት ስለ ዝኣበያ እቲ ዉድድር ኣብ ዓሰርተ ሓሙሸተ ዘይበጽሑ ሜዳ ዘይመልኡ ተጻወቲ’ዩ ተሓጺሩ። እዚ ካብ ሰለስተ ስጋብ ኣርባዕተ ሽሕ ህዝቢ ዝሳተፎ ዝነበረ ውድድራት ካብ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሚእቲ ዘይበዝሑ ሰባት እዮም ተሳቲፎሞ። እቲ ህዝቢ ብሃንቀዉታ ዝተጸበዮ ጸወታ ግና ግጥም ህግደፍን እባላት ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጥን እዩ ኔሩ።