Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ጽሑፋት ኣሰና ካብ ኢንተርነት ብምሕታም ናብ ካልኦት ሰባት ኣመሓላሊፍኩም ብዝብል ምኽንያት፡ ንኽልተ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ኣሲሩዎም ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

 

Ertireaስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣገዳሲ ሞያ ዝነበሮም፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ልዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሩ ፡ ሓሙሽተ ሓለፍትን ምሁራትን ናይቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ኣሲሩ ደሃዮም ኣጥፊኡዎ ከምዘሎ ድንጕዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ሰሙን ‘ዚ ልዕሊ 20 ኣመንቲ ናይተን ዝኣገደን ሃይማኖታት ክርስትና ኣሲሩ ከምዘሎ ተገሊጹ።

 

(ስእሊ፡ ሓላፊ ሓለዋ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኮለኔል ተስፋልደት – ካብ ርሑቕ ዝተሳእለ – ስእሊ ንዝለኣኸልና ምንጪ ነመስግን)

ስርዓት ህግደፍ ምስቲ ብሓሙስ ዕለት 13 ነሓሰ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ማይ-ኣጣል ዝተኻየደ ናይ ቅትለት ፈተነ ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ከምዝኣሰረ ኣብ ፓሪስ ዝመደበራ ድምጺ-ኢሬና ንምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ።

ስርዓት ህግደፍ ደቆም ባዕሉ ዝረሸነሎም ስድራቤታት፡ ናይ ዝተቐትሉ ደቆም መቕጻዕቲ ገንዘብ ክኸፍሉ ናብ ምምሕዳር ዓዲዃላ ጸዊዑዎም ከምዘሎ፡ እዚ  ስግንጢራዊ ስራሕ ናይቲ ባዕሉ ገበነኛ ክንሱ ንግዳያት ዘዐዲ ስርዓት ንህዝቢ ኣርሚሙዎም ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ብኣንክሮ ገሊጾም። 

MoE እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣባላት ራድዮ ባና ማለት ፈነወ ትምህርቲ ንዓበይቲ ዝርከቡዎም ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2009፡ ብዕለት ሓደ ጥሪ ኣብ ከባቢ ማይ ጃሕጃሕ ጸሎት ይገብሩ ንዝነበሩ መብዛሕተአን ደቂንስትዮ ዝርከባኦም 54 ኣመንቲ ክርስትና ተጸናትዩ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ነቲ ሓረስቶት ዘፍረዩዎ እኽሊ ናብ ቆፎኦም ከየእትዉ፡ ከይሸጡን ከይልውጡን ንምእጋድ ዘውጽኦ ግጉይ ፖሊሲ ንዝተቓወሙ 19 ምልሻ ኣብ ማይድማ ቤት ማእሰርቲ ስርሒት ሰለስተ ሓይሩዎም ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

BCመንግስቲ ኤርትራ ንሓላፊ ብሪቲሽ ካውንስል ኣብ ኣሰመራ ብምእሳር፡ ንሓደ ዲፕሎማሰኛ ዓዲ እንግሊዝ ፡ ብሰበብ መደብ ትግባረ ‘ሳተላይት ኢንተርነት ሊንክ’ ካብ ኤርትራ ከይወጽእ ከምዝኣገዶ ጋርድያን ዝተባህለ ጋዜጣ ሓቢሩ።