Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኦክላንድ ኣብ ወሽመጥ ምዕራባዊ ክፋል ካሊፎርኒያ ትርከብ ከተማ እያ። እዛ ካብ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ብመኪና ናይ ዓሰርተ ደቒቕ ርሕቀት ዝተደኮነት ኦክላንድ ምስ ከተማ ኣስመራ ዝመሳሰል ክሊማ ኣየር ኣለዋ።ካብ ከተማ ኦክላንድ ናብታ ብባሕሪ ዝተኸበበት ምጭውቲ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ንኽትከይድ ነቲ ንኽልቲኤን ከተማታት ዘራኽብ ቤይ ብሪጅ(bay bridge) ዝተባህለ መስተንክራዊ ቢንቶ ትጥቀም። ኦክላንድ ሓንቲ ካብተን ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝቕመጡለን ከተማታት ኣሜሪካ እያ።

johnመርዓን ሓዳርን  ሓደ ኣይኮነን። መርዓ ኣፍደገ ሓዳር እዩ። መርዓ ኹሉ ጽቡቕ እዩ ዝሓልፍ፡ ንሓዳር ግን ኩሉ ኣይክእላን፡ ወይ ንኹሉ ኣይትኾነሉን እያ። ሰብ ኪዳን ኣብ ሓዳር እዮም ዝፍተኑ። ተጋዳላይ ዮውሃንስን ተጋዳሊት ኢለንን ከኣ ን25 ዓመታት ነዚ ፈተነ ‘ዚ ሓሊፎም፡ ተዓዊቶምሉ።