Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Assennaብሰንበት ዕለት 17, 2011 ነበርቲ ከተማ ኣትላንታን ከባቢኣን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ባሕሪ ሊብያ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ንምዝካርን ጸሎቶም ንምብጻሕን ተኣኪቦም ኣምስዮም። እቲ መደብ ብግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተዳለወ ኮይኑ፣ ክሳብ 300 ዝኸውን ህዝቢ ተሳቲፍዎ። ህዝቢ ዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምግባሩ፣ ዝተፈላለየ ቃላት ብመራሕቲ ሃይማኖትን ተሳተፍትን ቀሪቡ። ኣብ መደምደምታ ድማ፣ ተሳተፍቲ ናይ ሽምዓ ሰልፊ ብምግባር ንግዳያት ዘኪሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ናይ 30 ዓመታት ታሪኽ ዕጥቃዊ ተጋድሎና, ዘይተነግሩ ‘ምበር ዝተፈጸሙ ፍጻሜታት ብዙሓት’ዩም። እቶም ኣዝዮም ኣደነቕቲ ስሪሒታት ካብ ሂወት ወድ ሰብ ምኽፋል ዝዓቢ ነገር ስለ ዘየሎ ኣብ ውሽጢ ሃገር’ዮም ተፈጺሞም። ማዕረ ማዕሪኡ ግን ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና’ውን እንተኾነ, ሰብኣዩ ሰበይቱ ዓቢኡ ንእሽቱኡ ኣብ ዓለም ተራእዩ ብዘይፍለጥ ሓድነትን ሃገራዊ ኒሕን፡ ሃገራዊ ናጽነት ሽቱኡ ንኽወቅዕ፡ ንሰውራ ኤርትራ ኩሉ ይጠቅም ዝባህል ዘይገበሮ ነገር ኣይነበረን።

ታሪኽ ክርስትና ከምዝምስክሮ ፍቕሪ፡ ትሕትና፡ ፍትሕን ንውጹዓት ምውጻእ…መሳሊ ካብ መሰረት ትምህርቲ ክርስቶስ ስለዝኾነ እቶም ዘተግብርዎ ብፍሪኦም ይዕቀኑ። እሞ፡ ብርሃኖም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይበርህ። እቶም ብስም ክርስቶስ ክርስትያን ኢና እና በሉ ኣብ ዓለምና መሳርሒ ንገዛእቲ ዓለም ኮይኖም ዘሻርዉ ግን ዓስቦም ካብ ገዛእቶም ይኸውን።

atlantaውራያትን ጽምብላትን ህግደፍ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘይሓቍፍ፡ ፈላላዪ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ብምጥርናፍ ሃገራውነት ኤርትራውያን ንምዕዛዝ ዝዓለመ ሰፊሕ ብዓል ንዝወደቡ ተባዓት ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣትላንታ ጆርጅያ፡ እቲ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ጽምብል ናጽነት ከይካየድ ኣብ ቀጻሊ ዘመተ ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ ንዘቕረበሎም ካልኣይ ኣውያት ኵነኔን ትእዛዝን ነጺጎም ሃገራዊ ብዓሎም ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ንምጽንባል ምድላዋቶም ኣብ ምቕጻል ከምዝርከቡ ካብቲ ቦታ ምስናይ መረጋገጺኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።