Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕበር ጥርናፈ ኤርትራውያን ንዲሞክራስን ፍትሕን ኣብ ቅዋሙ ንዘስፈሮ መደብ መሰረት ብምግባር ሎሚ ዕለት 24/1/2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ የተቦሪ ኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣባላቱ ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣዳራሽ ቀዳማይ መስራቲ ጉባኤኡ ኣካይዱ።

ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ለንደን፡ ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ እገዳ ክዅንኑ ንምድፍፋእ ኣብ ዘካየዶ ናይ ‘ርድኡና’ ኣኼባ፡ ‘ሕጋዊ ኣይኮነን’ ኢሉ ናይ ጎይትኡ ኢሳይያስ መቓልሕ ካብ ምምላስ ሓሊፉ፡ ነቲ እገዳ ዝምክት ርትዓዊ ምላሽ ስለዘይረኸበ፡ “ንሶማልያ ኣጽዋር ከነቐብል እንተዄንና ብኢትዮጵያ ዝሓለፍ ንናይ ሎንደን ዝመሳሰል ናይ ትሕቲ መሬት መንገዲ ባቡር (ኣንደር ግራውንድ) ክህሉ ኣለዎ” ክብል ከምዘላገጸ ነቲ ኣኼባ ዝተኻታተሉዎ ኤርትራውያን ንድምጺ ኣሰና ሓቢሮም።  

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣመልኪቱ ንኣባላት ህግደፍ ኣብ ኣስመራ ተኸታታሊ ኣኼባ ከምዘካየደሎም ምንጭታት ሓቢሮም።

ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ‘ቲ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ወራር ኣንጻር ኤርትራ ከካይድ ካብ ኣመሪካ ፍቓድ ረኺቡ ኣሎ” ክብል  መንግስቲ ባዕሉ ብወግዒ ዘመሓላለፎ መግለጺ፡  ትማሊ ቐዳም 27 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ሰፊሕ ግፋ ከካይድ ከምዝወዓለ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።