Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Redመንግስቲ ሆንግ ኮንግ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘጽንዖ፡ ቀረብን ምስግጋርን ኣጽዋር፡ ምድስካል ኣብ ባንካትታት ዝርከብ ገንዘብ ናይቲ ስርዓትን፡ ምቕያድ ምንቅሳት ሰበስልጣንን ዘጠቓለለ እገዳ ባይቶ ጸጥጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስራሕ ዘውዕል ኣዋጅ ከምዘውጽአ news.gov.hk ዝተባህለ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ናይታ ሃገር ኣፍሊጡ።

Asmaraውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሞንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ዘሎ ዝምድና ዘላሕልሕ፡ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ዘናቁት ሓዲሽ ሕጊ ኣውጺኡ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ድሕሪ ናጽነት ድሕሪ 17 ዓመታት ዝወጸ መምርሒ፡ ዝያዳ መሰል ወነንቲ ኣባይቲ ዘረጋግጽ፡ መሰል ተኻረይቲ ብሓፈሻን መሰል ወነንቲ ትካላት ዘቆናጽብ፡ ዘይፍትሓዊ ሕጊ ምዃኑ ድሮ ህዝቢ ተገንዚቡዎ ከምዘሎ እቶም ንጭታት የረድኡ።

Eriልክዕ ከምቲ ሂትለር ንኣይሁዳውያን ’’ጥጡሕ ቦታ ተዳልዩልኩም ኣሎ’’ ብዝብል ጉልባብ ምልዮናት ህዝቢ እስራኤል ናብ ኮንሰንትረሽን ካምፕ ወሲዱ ዘጥፈኦም፡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን “ናብ ልሙዕ መሬት ክወስደኩም የ“ ብዝብል ጉልባብ፡ ኣብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ንዝርከብ ህዝቢ ናብ ጋሽ ባርካ፡ ዲጋ ገርሰት፡ ብሓይሊ ንምግዓዝ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባር ይሸባሸብ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።