Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Eritrea armyበቲ ኣብ ቱኒዝያ ጀሚሩ፡ ብግብጺ ቀጺሉ፡ ኣብ ሊብያ ተጓሃሂሩ ንምልካውያን ስርዓታት ዝሰሃሎም ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብነታዊ ጽልዋ  ኣስዒቡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተመሳሳሊ ተበግሶ ከይወስድ መታን ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብሓድሽ መብጽዓታት ንምሕባል ሓዱሽ ጎስጓስ  ከካይድ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባሪ ተበጊሱ  ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

Girmaእቲ ኣይ ካብ ባይቶ ኣይ ካብ ጋዜጣ ኣይ ካብ ህዝቢ ሓታቲ ዘይብሉ፡ ከከም ኣተሳስኡ ባህ ዝበሎ ዝገብር ቀይዲ-ኣልቦ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ባዕሉ ተሓሲሙዎ ዝጸንሐ ውክልና ሕብረት ኣፍሪቃ ብምቕባል ከም ወኪሉ ከገልግሎ ንግርማ ኣስመሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኹዎ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ዓለም ገሊጸን።

ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣሰንዩ ኣብቲ ካብ 31 ግንቦት ክሳብ 1 ሰነ 2010 ኣብ ፈረንሳዊት ከተማ Nice ዝተኻየደ መበል 25 ዋዕላ ፈረንሳን-ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ኣባል ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት ስምኦን መሓሪ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

– ፍሉይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ልዑል ቀዳምነት ሂቡ ዘትዩሉ።

– ሓይልታት ጸጥታ ምስሪ ኣብ ዶብ ምስርን እስራኤልን ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ተጓዓዛይ ስደተኛ ክቐትሉ ኸለዉ ንሓንቲ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ከቢድ መውጋእቲ ከምዘውረዱላ ሮይተርስ ሓቢሩ።

– ሪፖርትተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብጸላእቲ ነጻ ፕረስ ዝኾኑ መንግስታት ሓያለ ጋዜጠኛታት ዓለም ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ” ይብል።

ኣብ ሊብያ ተጋቢኦም ዝቐነዩ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ነቶም ንግዝያዊ መግስቲ ሶማል ንምዕላው ጽዑቕ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ኣብ ምክያድ ዝርከቡ ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ኣለዎም ተባሂሉ ዝእመነሎም እስላማውያን ምንቅስቓሳት ትተሓባበር ከምዘላ ብምኽሳስ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ህቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኣ እገዳ ክገብር ከምዝጸውዑ ሱዳን ትሪቡን ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

READ MORE

UNኣብ ሊብያ ተጋቢኦም ዝቐነዩ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ነቶም ንግዝያዊ መግስቲ ሶማል ንምዕላው ጽዑቕ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ኣብ ምክያድ ዝርከቡ ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ኣለዎም ተባሂሉ

ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኦደድ በን-ሃይም “ኤርትራ ንመስርሕ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተበርዕን ትፍትን፡ ዑቕባ ግብረሽበራውያን ጉጅለታት ኮይና ‘ውን ትርከብ ‘ላ” ብምባል ከምዝኸሰሰ፡ World War 4 Report ዝተባህለ መርበብ ሓቢሩ።