Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

TVኣብ ኤሪ-ቲቪ ኤዲተር ኮይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ጆኒ ሕሳቡ ናብ ኢትዮጵያ ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ደሃዩ ጠፊኡ ምህላዉ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ዝተባህለ ንመሰል ናጽነት  ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ኣህጉራዊ ውድብ ሓቢሩ።

ERI TVኣብ መንግስታዊት መደበር ቴሌቪዥን ኤርትራ “ኤሪ-ቲቪ”፡ ኣገልግሎት ቋንቋ ዓረብ፡ ኣቕራቢት ዝነበረት ጋዜጠኛ ፋትሕያ ኻልድ፡ ካብ ቅድሚ ወርሒ ጀሚራ ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋ ተኣሲራ ከምዘላ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ብ23 ሰነ ኣብ ገምገም ባሕሪ ህንዲ ደንደን ተባህለት ናይ ኤርትራ መርከብ ጠሊቓ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ኣሰና ዳት ኮም ምስ ኣንበብና ብዙሕ ጕሂና። መጀምርታ ሃለዋት ናይቶም ባሕረኛታትና ደሓር ድማ እታ ንብረት ናይ ኤርትራ ከንቱ ምጥፍኣ ተሰሚዑና።