Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ንስኻ ከም ትፈልጦ እዛ ሃገር እዚኣ ሃገር ንኽትከዉንን፡ ህዝቢ ናጽነት ክርእን ፍታሕን ራህዋን ንኸስተማቕርን መዘና ዘይርከቦ መስዋእቲ ዝኸፈልካ ህዝቢ ክንስኻ፡ካብ 1991 ዓ.ም. ስጋዕ  ሎሚ ዝተዋህበካ ካሕሳ እንተልዩ ንዕቀትን፡ ዉርደትን፡ ሽሕጣንን ጥራሕ’ዩ፡

እንታይ’ዩ ወሪዱኩም ጳጳሳት ኤርትራ፡

ቅዱሳት ተባሂልኩም ተቐቢእኩም፡ተዋሂብኩም ሓደራ፡

እንታይ ኣስፈረኩም ኣብ ድሕሪት ከም ጭራ?

መንፈስኩምን ስጋኹምን ተቓሊሰን፡ስጋኹም ንመንፈስኩም ምስ ሰዓራ፡

እቲ ብአኹም ብሰራዊት ኤርትራ ዝተላዕለ፣ ንመላኺ መንግስቲ ህግደፍ ዝቐረበሉ ዝተፈላለየ ጠለባት ዘበገሶ ምልዕዓልን አበያን፣  አብ መላእ  ሃገርን አብ  ኩሉ ኩርናዓት ናይ ዓለምን ዝርከብ ህዝብኹም፣ ጀሚርኩሞ ዘለኹም ምንቅስቓስ እንተስ ውልዕ ኢሉ ክቕህም ፣እንተስ ባርዕ ሽግ ቀዪርኩሞ ወጋሕታ ብርሃን  ከበስር፣ ናበይ ገጹ ከም ዘምርሕ ወግሔ ጸብሔ  እዝኑ ጸልዩ፣ ዓይኑ አፍጢጡ ብጽሞና ይከታተለኩም አሎ።