Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤዲኪ) ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲን ኣትላንታን ህዝባዊ ኣኬባ ከምዝገበረ ዝዝከር እዩ። ኣብ ከተማ ዳላስ እውን ብኣላይነት ዳላስ ፎረም (Eritrean-American Public Forum of Dallas and Fort-Worth) ዝተባህለ በርጌሳዊ ማሕበር ኤዲኪ ዓቢ ናይ ህዝቢ ኣኬባ ኣዳልዩልኩም ኣሎ። እዚ ናይ ህዝቢ ኣኬባ ብኣቦ ወንበር ኤዲኪ ብጻይ ተወልደ ገብረስላሰን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ኤዲኪ ወኪል ብጻይ ኑር እድሪስን እዩ ክካየድ።