Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሰንኪ ማዕቐብ ዘውረዶ ቅልውላው ስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ነገራት ይፍንቅል ከምዘሎ ቅሉዕ ነገር ኢዩ።ካብቲ ሓደ ዝጥቀመሉ ዘሎ ፍሹል ፈተነ፡ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡ፡ኤርትራዊ ዜግነቶም ደርብዮም ዜግነት ናይ ዝቕመ ጡለን ሃገራት ሚሒሎም ዝተቐበሉ ገይሩ ኣንጻር ማዕቐብ ንዕለት 22 ለካቲት ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር’ዩ።

ነቲ ብሓፈሽኡ ዝፍለጥን ብሰፊሑ ድማ፡ ኣብ መዛግብን መርበብ-ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዘርጊሑ ዘሎ ሓበሬታ፡ ኣዋጅ ኣድማሳዊ መሰላት ደቂ-ሰብ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ከምዘስተብህለሉን ከምዝፈልጦን ንምግባሩ ሓደ ካብ ዕላማ ናይ ጽሑፈይ ኢዩ። ግቡእ ኣፍልጦ ናይዚ ኣዋጅ’ዚ ምህላው ድማ፡ ኣብ ምጉስጓስን ምዕንባብን ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርና ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። እቲ ካልኣይ ዕላማ ጽሑፈይ ድማ፡ ኣብ ከምዚ ሕጂ ብባይቶ ጸጥታ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ፡ ፈጢሩዎ ዘለዎ ፈታኒ ኩነታት፡ ኤርትራዊ እንታይ ክገብር ኣለዎ ዝብል ኢዩ።

 ትማሊ ኣብ ኤርትራ መበል 18 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ከቢሩብ ውዒሉ።ኣብ ዓይነት ይኹን ትሕዝቶ ፍሉይ ነገር ኣየምጸኣን።ከም ቀደሙ ንሕማቕን ሰነፍን ዘሕጉስ ጎደናታ ት ብመሳጢ ጠቕሲ፡ጎልጎል ብሕብራዊ ክዳን ዝለበሱ መናእሰያት ተሰሊሙ ከበሮን ተወ ቒዑ ክራር ምስ ኦርጋን ኣቓሊሑ።ሰባት ተኸዳዲኖም ኣደታት ተቖኒነን ተለባቢሰን ውጺአን፡እዚ ግን ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ስቓይ ኣይሓብኦን፡ዝተዛረቡ ከኣ ክሓብኡ ዝ ደለዩ ወይ ጌጋ ቃል ከየስቱኹ ሰጋእመጋእ እናበሉ ምድማጾም ገጾም ክምስክር፡ኣብ ቃላ ቶም ተሓጉሸ፡ ጽቡቕ ርእየ…ገለስ ሕሉፍ ሓሊፉዎም ዮሃና ንክቡር ፕረዝደንትን ኣመ ራርሓኡን ምባሎም ከኣ ብዙሕ ክበሃል ዝከኣል እንተኾነ፡ኣብ ጥቃ መን ከምዘለው ፈሊ ጦም ዘወጻጽእ ምዝራቦምውን ምልክት ናይቲ ዘሰክፍ ኩነታት ምዃኑ ይሕብር።

wegብመጀመርያ ካብቲ ስጋ ሰብ ለበስ ኣራዊት ስርዓት ህግደፍ ብሰላም እንቓዕ ወጻእካ ክብለካ ይፈቱ ብምቕጻል አቲ ኣራዊታዊ ባህርያት ህግደፍ ብጭብጥታት ኣሰኒኻ ብምቕላዕካ ምስጋና ይግብኣካ:: እዚ ድማ ሓደ ዓቢ ነገር አዩ:: ኮይኑ ድማ እዚ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ምዃኑ እዩ ምኽንያቱ ኣብ ዓለም መንግስታት ይኹኑ ውልቀሰባት ሎሚ ውሃ ዘበለ ብዓይነቱ ብዓይነት ኣባላቱን ቤት ትምህርትታት ክሰርሑ ድቓስ ዘይብሎም ይሓድሩ ኣለዉ ኣብ ኤርትራ ድማ ውሃ ዘበለ ኣብያተ ማእሰርትታት ክሰርሑ ከይደቐስካ ምሕዳር እዩ:: እቲ ኢሰብኣዊን ጨካን ኣተሓሕዛን ድማ ብኡ መጠን ይዛይድ ግና ይንዋሕ ይሕጸር ካብ ተሓታትነት ከምዘይሃድሙን ፍረ ዕብዳኖም ድማ ክሓቕፉ ምዃኖም ጊዘ ባዕሉ ከርእየና እዩ::