Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብዛ ዓለም ሓደ ሕብረተሰብ ኽህሉን ክቕጽልን ክዓብን ክስስንን እንተኾይኑ፡ንዕኡ ዝትክእ ብኩለንተናዊ መዳይ (ናይ ተፈጥሮ ጸጋታቱ፡መንነቱ፡ባህሉን ልምዱን ቛንቁኡን) ዝወርስ፡ ሕድሪ ተቀቢሉ ድማ ብተግባር ዝዓይ፡ተካኢ ወለዶ  ማለት(ጎበዝን ጎርዞን) ክህልዎ ግድን ይኸውን። በዚ ናይ ወለዶታት ምወርራስን ምትኽካእን ቀጻልነት ሓደ ህዝቢ ወሕስ ክኸውን ይክእል።

ዳን ኮኔል ዝተባህለ ኤሜሪካዊ ጋዜጠኛ፡ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዓለም ኣብ ምልላዩ ዓብይ ግደ ዝተጻወተ ጋዜጠኛ ኢዩ።ንሱ ኣብ መወዳእታ 2003 ኣብ ቦስቶን ኣሜሪካ ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ ማሕበር ኣፍሪቓዊ መጽናዕቲ ኣብ ትሕቲ ይኣክል፡ነቐፈታ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ብወግዒ ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ ነቐፈታ መወዳእታ፡