Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

አብዚ እዋነ ብርሰት ድቕናን አኃዋትናን አኃትናን ብመዘናን መግለጽን ዘይርከቦን፤ ሓዘን ተጻዒንና አብ ዘለናሉ እዋን፤ዋላዃ ዂላትና ኤርትራውያን ዜጋታት ሕዙናት እንተዄንና ብዝያዳ ግን እቶም ወለድን ቤተሰብን ብምዃኖም  ብሓበራ ነዚ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ተኻፈልቲ ናይቲ ዂሉ ሓዘናትኹም  ምዃና ንገለጽ።

Libyaውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ 17 መጋቢት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘጋብኦ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ሲቪላዊ ህልቂት ደው ንምባል፡ ኣብ ሊብያ፡ ካብ በረራ ነጻ ዝኾነ ዞባ ክኽለል፡ ከምኡ ‘ውን ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክውሰድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣካያዲ ሚንስትሪ ዜና ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎን የማነ ገብርኣብ (ማንኪ) ከምኡ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ዕሉል ሃሱስ ህግደፍ ኮይኑ ዘይሕጋዊ ስግረዶባዊ ስርሒታት ኣብ ምክያድ ብምንጥጣፉ ዝፍለጥ ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም (መቐለ)  ኣህጉራዊ ናይ መገሻ እገዳ ክገብር ከምዝወሰነ ስሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ምንጭታት ካብቲ ኣብ ነውዮርክ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሮም።

ምስቶም ዝሓለፈ ሳምንቲ ብምልካዊ ህግደፍ ዝተኣሰሩ ዓሰርተታት ኣባላት ራድዮ ባናን ሰራሕተኛታት መንግስትን ፡ ሰናይት ሃብቱን ይርግኣለም ፍስሃን ዝበሃላ መማህራን ደቀንስትዮ ከምዘለዋ ድሒሩ ዝመጽኣና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።