Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

አብዚ እዋን እዚ ራዕድን ሽበራን ቅንጸላን ከም ቀንዲ መሳርሒ ስልጣኑ ገይሩ ዝጥቀም ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ኣብ ወጻኢ ወይጦታቱን ሃሱሳቱን እንዳኣዋፈረ መነባብሮ ህዝቢ ርፉታ ከሊኡ ይነብር ኣሎ።

Libyaውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ 17 መጋቢት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘጋብኦ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ሲቪላዊ ህልቂት ደው ንምባል፡ ኣብ ሊብያ፡ ካብ በረራ ነጻ ዝኾነ ዞባ ክኽለል፡ ከምኡ ‘ውን ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክውሰድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

genevaመርበብ ምትሕግጋዝ መንእሰያት ኤርትራውያን ስዊዘርላንድ

Isuአብዚ አብከባቢና ዘለዋ ሃገራት ዐቢ ጩራ ለውጢ ዝቐላቀለሉ ዘሎ እዋን ወላ ን አይተ ኩሉ ባዕሉ አየቕሰኖን አሎ። ከመይ ኢሉ ሞ ክቀስን;፡ እቲ ዘይምቅሳን ካአ ሕማቅ አሎ ጽቡቅ ናብ ቀጠር ብስራሕ ምክንያት( ማዓንጣ ምስ ተዘርገ) ኢዩ ዘንቅሳቅሶ። እዚ መገሻታት እዚ ክልተ ትርጉም ኢዩ ዘለዎ፡

ብፖለቲካዊ ተነጽሎን ሕጽረት ሸርፊ ወጻእን ተጠቒዑ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ “ ካብ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ብዝኾነ መንገዲ ናብ ስደት ዝኸደ ኤርትራዊ ብሓፈሻ፡ ናብ ኤርትራ ክኣቱን ካብ ኤርትራ ክወጽእን ኣፍቂድና ኣለና” ዝብል ጎስጕስ ብኣኼባታት መልክዕ ከካይድ ጀሚሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብፖለቲካዊ ተነጽሎን ሕጽረት ሸርፊ ወጻእን ተጠቒዑ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ “ ካብ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ብዝኾነ መንገዲ ናብ ስደት ዝኸደ ኤርትራዊ ብሓፈሻ፡ ናብ ኤርትራ ክኣቱን ካብ ኤርትራ ክወጽእን ኣፍቂድና ኣለና” ዝብል ጎስጕስ ብኣኼባታት መልክዕ ከካይድ ጀሚሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

በቲ ለባማትን      ከኢላታትን  ሃገራዉያን  ባይታ ዘተ ዘጣጥሑልና  ተጠቒምና  ኣሰር  ናታቶም ሒዝና  ይሓይሽ   እንብሎ  ኣካይዳ  እዋናዊ   ቃልሲ   ክንዝቲ  ኣብዚ ምብቃዕና ሓጎስ  ኩልና ምኻኑ ንኣምን ።

isaias and qatarስርዓት ህግደፍ ሎሚ “እዚ ሰማይ ምድርን ዘላግብ ሓሶት እዩ፡ ኣይወዓልኩዎን ኣይገበርኩዎን” ብምባል፡ ግዳይ ዓለምለኻዊ ውዲትን ቅጹዕ ኣመሪካን መሲሉ፡ ናይ ሓምሳታት ታሪኽ ብምግንጻል ከይተረፈ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ህዝቢ ከሰልፈሉ ንዝጸንሐ ክሲ፡ ኣብ ትሕቲ ጣውላ ተሓቢኡ ክእመነሉ ንምርኣይ ሳልስቲ ምቕናይ ጥራይ እዩ ዘድልየካ።

ፋሽሽቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. አንጻር ሕግን ፍትሕን አንጻር ደሞክራሲን ሰላምን፤ አሳሪ ህዝቢ ዓማጺ ህዝቢ፤ ኩሉ ተወላዲ ሃገር ተገዲዱ ዓዱ ገዲፉ ናብ ስደት ወጺኡ ክጠፍእ እከይተግበራቱ ከም ቀዳማይ ዕላማ ሒዙዎ ይርከብ፡፡

ከም ኩሉ ዝፈልጦ ኣብ ዝሓልፈ ግዜ ብዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ጸጥታ ጉጅለ (UN Security Council) ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ ናይ እግዳ ውሳኔ ከምዝሓለፈ ርዱእ ኢዩ። እዚ እገዳ እዚ ድማ  ኤርትራ ምስ ናይ ሶማልያ ግብረ-ሽበራ ተንቀሳቐስቲ ትተሓጋገዝ ከምዘላን ከምኡ’ዉን ነቲ ዕላማ ቅዱስ ዕላማ ከምዃኑ ስለትኣምነሉን ኢዩ።

ኣብ ታሪኽ ደቅሰባትን ዓለምናን፡ወጽዓ ምስፍትሒ፤ቃልሲ ምስ መግዛእቲ፤ሓቂ ምስ ዓመጽ፤ ምልኪ ምስ ሓርነት፤ኣይግዛእንየ ምባል ምስ ምምብርካኽ፤ናጽነት ምስባርነት ወዘተ እንዳተበራረዩ እዮም ዝኸዱ። ታሪኽን ዛንታን ኩሎም ህዝብታት ዓለም በዚ መስርሕዚዩ ሓሊፉ ገናውን ዝሓልፍ ዘሎ።

yemane

ኣብ ውሽጢ፡ እንተላይ ኣብ ወጻኢ ብዝነብር ህዝቢ ኤርትራ መንነቱ እናተፈልጠን እናተኻዕበን ዝመጸ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብልቢ ዝቐርቦን ከም ናይ ቀደም ዝምእዘዞን ብምስኣኑ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣተኲሩሉ ዘሎ ዕዮ፡ ብናይ ውሽጢ ሃገር ጸገማት ዘይተጸልዉን፡ ንኤርትራ ብመገሻ ጥራይ ዝፈልጥዋን ገርህኛታት ምምልማል ኢዩ።

ብፈለማ ደቒ ሃገር ኩሉኩም ከመይ ኣለኩም። መበገሲ ጽሑፈይ ኣብ መስከረም ዶት ነት ዝበሃል መርበብ ሓበሬታ ብ”ኣፍን ግብርን መራሕቲ ኪዳን ክቕላዕ መን እሰይ ኤርትራ ተሰራዕ” ዝብል ኣርእስቲ እዩ።  መብዛሕትኡ እኳ ዝሰማምዓሉ ነጥቢ እንተሃለወ ኣብ’ቲ ዘይተሰማማዕኩሉ ነጥቢ  ወስ ከብል እሞ ናብ ሓናጺ ዝኮነ ልዝብ ምእንቲ ክንኣቱ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ቀያሕቲ ደቁ ከፊሉ ዝረኸቦ ናጽነት፡ ክበር ንበር ዝብሎ እምበር ኣብቲ ዘይሓወየ ቑስሉ ብሓለንጊ ዝገርፎ መራሒ ክረክብ ብሓቂ ኣይጻምኡን ኔሩ።

ዳማይ ወራር ብዓወት ኢሰያስ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ መንግስታት ኣመሪካን ርዋንዳን ዘበገስዎ ኣርባዕተ ነጥብታት ዝሓዘ
እማመ ሰላም ቀሪቡ። ንሱ ድማ ክልቲአን ሃገራት ካብቲ ዘከራኽረን ቦታታት ክስሕባን፡ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት
ድማ ዶበን ክሕንጸጽ ዝብል እማመ ኣቕሪበን።

ኣብ ጅቡቲ ዶብ ጥሒሱ  ቅሉዕ ወራር ከምዝፈጸመ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ከቕርብኦ ቀንየን ኣለዋ። ምስዚ ፍጻመታት
ብምትሕሓዝ እምበኣር፡ ኢሰያስ ንምንታይ ዕላማ ነቲ ብጎነጽ ፈጺሙ ክፍታሕ ዘይክእል ዶባዊ ግጭት ንምንህሃሩ
ከምዝጎይን፡ እንታይ ዕላማ ንምውቃዕ እቲ ግጭት ከምዝምህዞን እዚ ዓንቀጽ ክትንትኖ ፈቲኑ ኣሎ።

እዚ ንኣትዎ ዘለና ዓመተ 2008 ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ከም ነበልባል እናተወልዓ ዝኸይድ ዘሎ ሕቶ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምምስራት ብዝያዳ ዝሕይለሉ ዓመት ንክኽውን ኩላትና ክንሰርሓሉ ዘለና ዓመት እዩ።

እዚ ሰለ ዝኾነ ከኣ እቲ ኣሜርካ ወጢኖሞ ዘለው ውሳኔ ንመንግስቲ ኤርትራ ናብ መወልቲ ግብረ ሽበራ ምስራዕ ንጭኹን ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ከምዘይኾነ ኩሉ ክፈልጦ ዘለዎ ሓቂ’ዩ ፡፡ ውልቀ ሰብ ወይ ጉጅለ ወይ ድማ ስርዓት ኣካል ግብረ ሽበራ ክኸውን ይኽእል’ዩ  ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣካል ግብረ ሽበራ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ፡፡