Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብጸጋይ ገብረሂወት ሎንደን

<ኣብ መንጎ ደገፍቲ ዋዕላን ጸረ ዋዕላን ሰለስተ ፈላለይቲ ስግኣታት ኣለዋ። ጸረ ዋዕላ ከም ቀንዲ ንዋዕላ ዘይ መደገፊ ምኽንያት ዘቕርብወን ክኣ እዚአን ኢየን። ሕቶ ቢሄር፣ ሕቶ ሃይማኖት፣ ምትእትታው ኢትዮጵያ፣- ኣብ ዝብል 1ይ ክፋል ጽሑፈይ ኣመንጕየ ነይረ፣ እንሆ ሕጂ ድማ 2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል፣ ሰናይ ንባብ፣-

እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ብዙሓት ኣሻማዊ ኮይኑ ዘሎ ሕቶ ኢዩ። ብፍላይ ድሕሪ ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ ክኣ ረስኒ ወሲኹ ኣብ ኩሉ ናይ ክትዕ መአንገዲ ቦታታት፣ ፓልቶክ፣ ሰሚናራት፣ ወብሳይታት እንተላይ ፈይስቡክን ትዊተርን ከይተረፈ ከካትዕ ጸኒሑ ኣሎ።

 ብተስፋይ ተኽለ

ህዝቢ ኤርትራ ንኽልቲኡ ቅዱስ ዝኾነ ሃይማኖታት ክርስትና ኮነ ምስልምና፣ ካብቶም ቀዳሞት ዝተቐበሉዎ አህዛብ ሐደ ኢዩ። ክልቲኡ ቅዱስ ዝኾነ ሃይማኖታትና ከአ አብ ማሕበራዊ መነባብሮና ኮነ  አብ መዓልታዊ ጉዕዞና፣ ከም ህዝቢ ጸገም ፈጢሩልና አይፈልጥን ኢዩ። ክልቲኡ ሃይማኖታት ብሐቀኛን መሰረታዊ መግለጺኡ ንፍቕርን ሰላምን ሕውነትንምበር፣ ንጽልኢን ጎነጽን ባእሲን ከቶ አየስተምህርን ኢዩ።