Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወጻኢ ኣብ ኤምባሲታቱ ክሰርሑ ንዝጸንሑ ኣስታት 70 ኣባላቱ ናብ ኤርትራ ከምዝጸውዖም ምንጭታት ሓቢሮም።

Trafficlightስርዓት ህግደፍ፡ ናብ ወጻኢ ክኸዱ ንዝደልዩ ኤርትራውያን ከምመሰጋገርቲ (Human Traffickers) ተመሲሎም ብምስራሕ ኣሽሓት ዶላራት ድሕሪ ምምልጣጦም ተመሊሶም ከእስሩዎም መምርሒ ዝህብ ምስጢራዊ ተዘዋዋሪ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ እሙናት ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ንኹሎም ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ክሰርሑ ንወጻኢ ሃገራት ልኢኽዎም ዝነበረ ወከልቲ ህግደፍ ኣብ ሓጺር እዋን ኩሉ ሰነዳቶም ጠርኒፎም ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣትዉ መምርሒ ከመሓላልፈሎም ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ምንጭታትና ሓቢሮም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ መደበራት ዜናን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ሎሚ 2 ሕዳር ኣብ ለንደን ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ሓደ ጽላል ሰሚሮም ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ዕማም ከካይዱ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዖም። ነቲ ብስምረት ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ መኸተ ዕማማቶም እተወሃህድ ሓባራዊ ሽማግለ ‘ውን ኣቝሞም።