Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

demoስርዓት ህግደፍ ሕጋውነት ካብ ዘጥፍእ ዓመታት ኣሕሊፉ’ዩ። ሕጋውነት ኣጥፊኡ ክንብል ከለና፡ ብሕጊ መጺኡ ማለት ኣይኮነን። ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ኣንቢሩሉ ዝነበረ እምነት ኣባኺኑዎ እዩ ማለትና እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ወዲቑ፡ ኣብ ቃሬዛ ለጥ ኢሉ እዩ ዝመርሕ ዘሎ።

መራኸቢ ብዙሃን የልምዕ መራከቢ ብዙሃን ድማ የጥፍእ። ክንዲ ዝኾነ መራኸቢ ብዙሃን ሚዛናዊን ሓቀኛን ኪኸውን ይግባእ።እንተኾነ ብዙሓት ቴክኖሎጂ ብዝፈጠሮ ምዕባለ ተጠቒሞም ሕሱር ፕሮፖጋንዳ የካይዱ። ካብ ኩሉ ዘስደመም ድማ ብኣፎም ጸፍ ዝብሉ ወይ ብኻልኦት ዝወራዘዩ ምዃኖም ኢዩ።ገለ ዉሑድ ካብቲ ብዙሕ ከም ኣብነት ክጠቅስ።