Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልክዕዩ እቲ ለውጢ ፍትሒ ዘንግስ ቅዋም ዘተግብር ፕረስ ዘፍቅድ እሱራት ናብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ዘቅርብ ሕረስ ሓረስታይ ሸቅል ሸቃላይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ክኸውን ከምዘለዎ ድሌት ኩሉ ኢዩ፡፡ እቲ ኣውያት ኣውያት ንሓርነትን ናጽነትን ክኸውን ከምዘለዎ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ፡፡ እቲ ለውጢ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላትን ቻርቸራትን ዝተሞርኮስ ስምምዕ ዘምጽእ ክኸውን ከምዘለዎ ዘየማትእ ዕላማ ኢዩ፡፡ ነዚ መን የምጽኣዮ ግን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን ኤርትራዊ ዜጋ ኢዩ፡፡ ኣብ ሰራዊት ይሃሉ ኣብ ስደት ይሃሉ፡፡ ካብዚ ብምብጋስ እዚ ብምክልኻል ሓይልታት ተጀሚሩ ዘሎ ክድገፍ ይግባእ፡፡

ዛጊት ሰላም ረኺብካ ሩፍ ኣይበልካን። እቲ ብ “ኣይሰላም ኣይኵናት” እናተገልጸ ንዓመታት ላሕ ዘበለካ ሰንፈላል ዝበዝሖ ዘይቅሱን ኩነታት ሕጂ መመሊሱ እናኸፍአ ብምኻድ ብግህዶ ናብ ኵናት ክዘዙ ይርአ ኣሎ። ንስኻ ገበነኛ ወይ ሓጥያተኛ ስለዝኾንካ ኣይኮነን ደበና ኵናት ኣብ ሰማያትካ ዳግም ሰሪቡ። ዘይወዓልካዮ ዕዳ ዕቡዳት ምኽፋል፡ ግዳይነትካ ስለዝለመደ ደኣ ‘ምበር።