Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብታሪኽ  ዘይምሃርን  ንሕሉፍ  ዘይምርምርን  ዘየገናዝብን ይመስሎን ይሳኣሎን ይኸዉን ፡፡ኤርትራዉያን ሓደ ነገር ካብ ከባቢኦምን ካልኦት ህዝብታት ዓለምን ዝፈልዮም ተዉህቦ ኣለዎም፡ ፍሉያት ፍጥረት ኮይኖም ዘይኮኑስ ካብ ምብርራይ መግዛእቲ ካብ መሪር ሕሰምን መከራን ዘጥረይዎ ትብዓት፡፣፣ጽንዓት፡ ብድሆ ንዝገጥሞም ሰብ ዝፈጠሮን ባህርያዉን ምረት ፈንጢስካ ምሕላፍ፡ክመርር ከሎ ምጥማርን እዩ።

GSትማሊ ሰኑይ 23 ለካቲት፡ ዝኾነ ሞባይል ቴለፎን ሒዙ ዝተረኽበ ኣባል ሰራዊት  “ሃገራዊ ክድዓት ከምዝፈጸመ ተሓሲቡ፡ ስጉምቲ ክውሰደሉ እዩ” ዝብል ከቢድ መጠንቀቕታ ዝተጻሕፎ ናይ ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ክታም ዘለዎ ዘዋሪ መልእኽቲ ናብ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምዝተመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።