Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህላወን ኩነታትን ህዝቢ ኤርትራ ዓመት መጸ እናንቆልቆለን እናኸፈአን ይኸይድ ከምዘሎ ንኩሎ ኤርትራዊ ብሩህ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ብሰንኪ’ቲ ብዕሉግ ፖሊሲ ህግደፍ ከቢድ ጥምየት፡ ራዕዲ፡ ሕጊ ኣልቦ፡ ዓለምለኻዊ ተነጽሎ፡ ማእሰርቲ፡ ዝኣመሰሉ ሽግራት ደረት ተሳኢንዎም ኣሎ። ህልቂት መንእሰያት ኣብ ምደረበዳታት ሳሕራን ማእከላይ ባሕርን፡ ቃፍላያት ሰደት ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዝተራኣየሉ ዘስካሕክሕ እዋን እዩ ክባሃል ይኽእል። ነዚ ድማ እዩ መራሒ ህግደፍ ብባጫን ኣሽካዕላልን “ፓሳጆ እዮም ከይዶም ዘለዎ ክምለሱ እዮም” ኢሉ ብጥፍእትን ህልቂትን መንእሰያት ከላግጽ ዝወረሐ። እዚ ዘሕዝን ህልቂት’ዚ ንነብሲ ወከፍ ዜጋ ዝትንክፍ ክንሱ፡ ገለ ብደዎም ዝለመሱ ሰዓብቲ ህግደፍ ኢና በሃልቲ መንጠሊና ሕፍረት ተጎልቢቦም ክንሶም ጥፋኣትን ህልቂትን አሕዋቶምን ህዝቦምን ምግላጽ ዘሕፍሮም ጉዳመኛታት ምህላዎም ከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?

ካብ 11 ዝተፈላለያ ክፍላተ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ተሓርዩ ዝተዋጽአ ብ”ኮሚቴ ድሕነት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ” ዝፍለጥ ብመኮንናት ዝምራሕ ኮሚቴ፡ ነቲ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኣቕሪቡዎ ዘሎ ተቓውሞን መሰረታዊ ጠለባትን ብዝተወደበ መልክዕ ምስ ላዕለዎት ልኡኻት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከምዝዘተየሉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።