Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰላም ኤርትራውያን ድልየትና ስምርትን ምዕብልትን ኤርትራ ክጋሃድ ይምነ፡

እዚ ዘለናዮ ወርሒ ወርሒ ባዓል ነጻነት ኢዩ፡ ነጻነትና ብቖጺርካን ጸዊኻን ጸብጺብካ ዘይውዳእ ናይ ኣርባዓ ዓመታት ውርደት, ስቓይ, ዓመጽ, ቅትለት, ስደት, ሕስረት ክኸውን ኮሎ፡ በቲ ካልእ ድማ ብሓቦን, ኒሕን, ቆራጽነትን, ሓርበኝነትን, ቃልሲን, መስዋእትን መውጋእትን ኤርትራውያን ነጻነት ተረጋጊጹ፡፡

አብዚ እዋን`ዚ ኣብ ክንዲ ኣብ ጎኒ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ብግልጺ ብምስታፍ በአንጻሩ ጌጋታት እንዳለቐምካ ነዚ ከም ደርሆ በምዑት ደቁ ዝጻወት ዘሎ ዓቕሙ ዘይፈልጥ ናይ ደንቆሮ ደንቆሮ ብህዝቡ ቁማር ዝጻወት ብልሹው ወታህደራዊ ጉጅለ ህግደፍ ዕድመ ንምንዋሕ ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ትዕዘብ ምህላውካ ዘታሓሳስብ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ስቓይ ህዝብታትካ ምሽክዕላልን ምልጋጽን ውንዩ ዘስምዕ።