Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Ypfdjኣብ ሃገረ ኖርወይ ኣብ ቀረባ ማዓልታት ዓመታዊ ጉባኤ ብምግባር መሳርሒ ዉልቀመላኺ ኢሰይያስ ዝኾነ ኣኼባ   መንእሰያት ህግደፍ ዝተወደበ ንመንግስታዉያንን ዘይመንግስታዉያንን ትካላት ነርወይ ብምድንጋርን ምትላልን ዝተረኽበ ገንዘብ ምዃኑ ኣገልግሎት ቴሊቪዥን ነርወይ ሎሚ ኣማስይኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣቃሊዑ ኣሎ፡፡

ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኢዱ ብምእታው፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ማሕበረኮማት ኤርትራውውያን ዓምቢበን ንኤርትራዊ ማሕበረሰብ ግቡእ ኣገልግሎት ክይህባ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ ኣብ ቶሮንቶ (ካናዳ) ዝነብሩ ኤርትራውያን ትማሊ  7 ግንቦት ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መደብ ገምጋም 20 ዓመታት ናጽነት ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዘካየዱዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።

Trade and Industry Building -  Eritreaኣብ ሚኒስትሪ ንግድን እንዱስትሪን፡ ሓላፊ ኽፍሊ ንግድ ኮይኑ ክዓዪ ዝጸንሐ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተ፡ ሚኒስተር ሚንስትሪ ንግድን እንዱስትሪን ኮይኑ ተመዚዙ።

ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ኣትለት መብራህቱ ክፍለዝጊ ሎሚ ሰንበት ሓደ ሕዳር 2009 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ማራቶን ቅድድም ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋት  ተሸሊሙ።

የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ኣካያዲ ሚኒስትሪ ዜና ኮይኑ ተመዚዙ

Yemaneሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ምስ ስርሑ ደሪቡ ንሚኒስትሪ ዜና ከካይድ ብኢሰያስ አፈወርቂ ክምዘዝ ክሎ፡ ግዝያዊ ሚኒስትሪ ዜና ኮይኑ ከገልግል ዝጸነሐ ዓሊ ዓብዱ፡

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ማለት ኣብ ዕለት 01 ግንቦት 2009 ዓ-ም ኣብ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ሎንዶን እቲ ብምልኣት ህዝቢ ዝፈንፈኖ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ፡ ያእዪ! እንተኾነለይ ብማለት፡ ብመሪሕነት ተስፋሚካኤል ገራህቱን ሓረጉ ተስፋማርያም ጓል ቀሺ ብጩሉቕ ኣኼባ ተጋደልቲ ብምባል እኳ እንተተጸውዐ ምንጭታትና ካብ ቦታ ኣኼባ ከምዝሓበርዎ ግን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣክል ከባቢ ሓደ ሽሕ ተጋደልቲ ዝርከብዎ ዓቢ ሃገር ክንሱ ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ ግን ብፍቕዲ 16   (ዓሰርተው ሹዱሽተ) ምምባሮም ኢዩ።

obamaኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎ ንደሞክራስያዊ ሰልፊ ወኪሉ ዝተወዳደረ ባራክ ኦባማ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ 2008 ቀዳማይ ጸሊም-ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ብምምራጽ ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ።

መበል 17 ብዓል ነጻነት: ኣብ ለንዶን; ኣቀራርባ ዜና ዝእመን ኮይኑ ክቐርብ ይግባእ። ለበዋ ንኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ክፍሊ- ዜና ኪዳን

ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ዓባይ ብሪጣንያ ክዓዪ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተላእከ ሜጀር ሃብቶም ኪዳነ፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

zerisenayበሃር ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ኢድንብራ (ዓዲ እንግሊዝ) ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 9.3 ኪ.ሜ ሃገር ኣቋራጭ ውድድር ጉያ (Bupa) (cross-country championship ) ዝነኣድ ቅድድም ብምክያድ ካልኣይ ደረጃ ወጺኡ።

ዘርሓበን ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዝኾነ ጅግና ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ኡዳይን (ጥልያን) ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ተወዳዲሩ ወርቂ ማዳልያ ብምዕታር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዓወቱ ዓቂቡ።

TVኣብ ኤሪ-ቲቪ ኤዲተር ኮይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ጆኒ ሕሳቡ ናብ ኢትዮጵያ ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ደሃዩ ጠፊኡ ምህላዉ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ዝተባህለ ንመሰል ናጽነት  ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ኣህጉራዊ ውድብ ሓቢሩ።

ኤርትራዊ ኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት  ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኮይኑ ከገልግል ከም ዝተመዘዘ መርበብ ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።