Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣንታ ዳንኤል! ‘…ክላ ወደይ ስም ቀይር ኣለናስ ምሒር ዓብዩካ !!!! ኢልካ ክትጅምር! ክንድዚ ዝኣክል ዘንቀጥቅጥ ገዚፍ ምስጢር ህግደፍ ንህዝቡ ስለ ዘቕረበ! ህዝቢ ክፈልጦን፡ ክመሃረሉን ስለዝግበረ! ካብኡ ተላዒሉ ካብ ስቓዩ ዝናገፈሉ መገዲ ከናዲ ስለዝጽዓረ! ‘ኣለና’ ስ ዓቢዩዎ ክትብል! ‘ኣለኹ’ ኸ ምሒር ኣይነኣሶንዶ!  ክተቆናጽቦን ክተንኣእሶን ክትፍትን! ስለምንታይ?

Eritreansደጊም ‘ሲ፡ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ወይ ስርዓት ከምዘይብልና ኣረጋጊጽና ኣለና። ኣብ ሓንቲ ሃገር ከምዚ ዝኣመሰለ ባዶሽ ናይ ስርዓት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ብዕቱብ ክምለሽ ዘለዎ ዓቢ ሕቶ ‘ምብኣር፡ “ንሕና ከም ሕብረተሰብን ከም ህዝብን ከ ኣለና ዶ?” ዝብል ‘ዩ።

Eritreansደጊም ‘ሲ፡ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ወይ ስርዓት ከምዘይብልና ኣረጋጊጽና ኣለና። ኣብ ሓንቲ ሃገር ከምዚ ዝኣመሰለ ባዶሽ ናይ ስርዓት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ብዕቱብ ክምለሽ ዘለዎ ዓቢ ሕቶ ‘ምብኣር፡ “ንሕና ከም ሕብረተሰብን ከም ህዝብን ከ ኣለና ዶ?” ዝብል ‘ዩ።

ኣብ ክንዲ ሓልዮት ህዝቢ፡ ኣገልገልቲ ምልኪ
ኣብ ስደት ኾይንኹም፡ ደሓን ኣሎ ዓዲ
ብክልተ ካብ ሚእቲ፡ ቀዘፍቲ ሕጻዉንቲ
ኣበይ ድኣ ኣበለ፡ ወዮ እኹብ ቦንዲ
ሎሚስ በሪሁልኩም ዶ? ህግደፋዊ ስልቲ

ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ናይ ቀረባ ተዓዘብትን ተካታተልትን ዜጋታት ከም ዝሕብርዎ፡ ጃንዳ ህግደፍ ዘዋፍሮ ሓደ ፖሊቲካዊ ዉዲት ኣሎ። ንሱ አብ ባጽዕ ተጠጂኡ፡ አብ ካርቱም ተጸሚቑ፡ ኣብ ካይሮ ብስም ተወከልቲ 6 ውድባትን ዝብሃሉ ዝግበር ዝርርብ ኢዩ። እዚ ዘብርሆ ከዓ፡ እቲ ንነዊሕ ተመዲቡ ዝነበረ ሓባራዊ ጉባኤ ኪዳን፡ ንዘይተወሰነ ጊዜ ምትሕልላፉን፡ አጽፋር ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ክሳብ ክንደይ ልሒዂ ከም ዘሎ ኢዩ ዝሕብር።

ፈጺሙ ዘይርሳዕ ጸገም እዩ ዘለዎ። እቲ ብሕልሚ ዝረኣዮ መጠን ነብሱ ኣዝዩ ደርማስ፡ ብግብሪ ኣዝዩ ንኡስ ኮይኑ፡ ብዓድን ብግዳምን ፈጺሙ ዘየስምዕ ትርጉም ኣልቦ ኮይኑ ተሪፉ ምህላዉ እዩ ሕሰም ሕርቃኑ። እንተኾነ ሕርቃኑ ምስ ነብሱ ክኸውን ኣለዎ። መብጽዕኡን ህዝቡን እንተዘኽብር ሕልሙ ምግሃድ ኣይምኣበዮን። ህዝብኻ ምንዓቕን መብጽዓኻ ምጥላምን ግን የግዲ ሕልሚ ይገብረካ እዩ። ሕልሚ ስለዝኾነ ኸኣ እዩ ኣመና ንኢሱ ብሕርቃን ዝፍሓስ ዘሎ። መስጣ ሃገርን ህዝብን።

ኣብ ምዝዛም ዓመተ ክልተ ሽሕን ሸውዓተን ዝወዓለት ናይ መወዳእታ ሰንበት ዕለት 30 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ሎንዶን ብጻዊዒት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ዝተጸውዐ ናይ ህግደፍ  ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ካብቶም እሙናት ደቂ ውሻጠ ዝባሃሉ ኣብ ፈቐዶ እንዳ ሻሂ ክዕለል ቀንዩ’ሎ።

ኣብዚ ብ25 ሕዳር ዘካይዶ ኣኼባ ክንሳተፍ እንተወሲና ርጡብ ሕቶ ንምሕታት ንዳሎ። እቶም ኣብቲ ኣኼባ ክትሳተፉ ዘይትደልዩ ድማ ኣብቲ ንገብሮ ታቤላዊ ተቓውሞ ተጸንበሩና። 7 Croatia Street (Between Dufferin and Bloor – South of Bloor and North of Dufferin Mall) ሃየ ግዜ ዝጠልቦ ስራሕ ንስራሕ!

ዛጊት ሰላም ረኺብካ ሩፍ ኣይበልካን። እቲ ብ “ኣይሰላም ኣይኵናት” እናተገልጸ ንዓመታት ላሕ ዘበለካ ሰንፈላል ዝበዝሖ ዘይቅሱን ኩነታት ሕጂ መመሊሱ እናኸፍአ ብምኻድ ብግህዶ ናብ ኵናት ክዘዙ ይርአ ኣሎ። ንስኻ ገበነኛ ወይ ሓጥያተኛ ስለዝኾንካ ኣይኮነን ደበና ኵናት ኣብ ሰማያትካ ዳግም ሰሪቡ። ዘይወዓልካዮ ዕዳ ዕቡዳት ምኽፋል፡ ግዳይነትካ ስለዝለመደ ደኣ ‘ምበር።