Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

 khalid….ሎሚ’ውን ሓድሕድ ተኻባቢርና: ሓሳባትና ተሰማሚዕና ንነዊሕ ዝጠመተ ልቦና ዝመልኦ ኣካይዳ ክሳብ ዘየማዕበልና መጻኢና ቀሊል ከምዘይከውንን እዚ ወልቀመላኽነት ከኣ ከምቶም ኣብ ኩሉ ክፋል ዓለምና ዝተራእዩ ምልክታት ኣብ ሓጺር ጌዜ እንተሓድሓድ ተበላሊዑ እንተ ብሰንኪ ዓንዳሪ ኣካይዱኡ ነዊሕ ከምዘይጸንሕን ክፈራኸስ ምኻኑን ገፋዕቲ ድማ ጽባሕ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ምኻኖም ደጋጊምና ክንዝክርን ከነዛኻኽሮምን ይግባእ::

ERI TVኣብ መንግስታዊት መደበር ቴሌቪዥን ኤርትራ “ኤሪ-ቲቪ”፡ ኣገልግሎት ቋንቋ ዓረብ፡ ኣቕራቢት ዝነበረት ጋዜጠኛ ፋትሕያ ኻልድ፡ ካብ ቅድሚ ወርሒ ጀሚራ ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋ ተኣሲራ ከምዘላ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።