Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነጻነት! ነዛ ነጻነትን ነጻ ንምዃንን ህዝቢ ኤርትራ ንኽንደይ ዓመታት ከርተት ኢሉ። ምእንቲዛ ነጻነት ብዙሕ ከፊሉ። ብሉጻት ደቁ ሐደ ድሕሪታ ሐደ እናተታኻኽኡ በብዝወጽዎ ስለዛ ነጻነት አብ በረኻታት ኤርትራ ተሪፎም። ስለዛ ነጻነት ተሰዊኦም። ስለዚ ዋጋቶም ብሉጻት ደቑ ዘለዝኾነት፡ ነጻነት፡ ንኤርትራውያን ብዙሕ ትርጉም ክህልዋ ግድን ኢዩ። ስለዝኾነ ድማዩ ነዛ ብመስዋእቲ ብሉጻት ደቁን ብመሪር ስቃይን ዘምጻአ ሃገርን ናጻነቱን ዝኾነ ዝትንክፈሉን ዋላውን ትንዕ ዝብለሉን ዘይፍቅድ።