Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት መላኺ ምዃኑ ባዕሉ ብቃላቱ ስለዝቐልዖ፡ብዙሕ ምትንታን ኣየ ድልን።ነቶም ገና ደቂሶም ዘለው ዘይተበራበሩ ንኽርድኡ ከኣ፡ርእይቶና ነፍስስ።መለኽቲ ስርዓ ታት፡ዝያዳ ኩሉ ንጋዜጠኝነት ይኹን ንመራኸቢ ብዙኃን ይቆጻጸሩ፡ጽቡቕ ናይ ምሕሳው ክእለ ት ዘለዎም ሰባት ሓርዮም የማዕብሉ።ምኽንያቱ መራኸቢ ብዙኃን፡ተምሳል ሃኒጾም፡ኣብ ኅልና ሓፋሽ ዝሕንብስ ምጥርጣር ናይ ምርሓቕን፡ኅልና ህዝቢ ናይ ምጥዋይን፡ብሓጺሩ እንስሳ ዘገዳም ናብ እንስሳ ዘቤት ንምቅያር ዘኽእሉ ስለዝኾኑ፡ካብቲ ኣብ ግንባር ሰፊሩ ዘሎ ወተሃደር ንላዕሊ ኣኺሉ ዝተርፍ ባጀትን ዘድሊ መሳርሕን ቐሪቦም፡ዘድሊ ምክንኻን ይገብሩ።ነዚ ሓቂዚ ቲቪ ኤ ረ ትምስክረልና።ቲቪ ኤረ ብዙሕ ወጻኢን ዝተፈላለዩ ምዕቡል መሳርሒ ተቐሪቡላ፡ምሩጻትን ፍ ሉይ ክእለት ዝተዓደሉ ዝሰርሑላ ፍልይቲ ናይ  ስርዓት ፕሮፖጋንዳ ተቃልሕ ትካል ብምዃና፡ ብፍላይ ኣብዝሓጸረ ግዜ እቲ ናይ ዘረባ ምጥውዋይ ፍሉይ ክእለት ዘለዎ የማነ ገብረኣብ ኣካያ ዲኣ ኮይኑ ተመዚዙ።