Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ኣሰና ከምዝተቐስናዮ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብጥምየት ኣመኽንዩ ንህዝቢ ካብቲ ንዘበናት ዝነበረሉ፡ ኣብያተ ክርስትያኑን መሳጊዱን ዑና ኣቦታቱን ዝተተኽሎ ዓድታት ብግዴታን ምትላልን ከፈናቕሎ ዝሓንጸጾ ውጥን ህዝቢ ይቃወሞ ‘ኳ እንተሎ ብወለንታ ኣምሲሉ ከተግብሮ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ ከካይደሉ ጀሚሩ ‘ሎ።

ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ከብቅዕ እንተኾይኑ እቲ ንልኡላውነት ሃገሩን ሰብኣዊ መሰላቱን ዘኽብርን ዝሕሉን፡ ወጽኢት መሪር ቃልሱ ዝኾነ፡ ሃገራዊ ቅዋሙ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ።
ነዚ ንምትግባር ከኣ ብዘይካ በቲ ብዓል ቤት ናይዚ ሕቶ`ዚ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብካልእ ዝኾነ ይኹን ኣካል ከም ዘይፍጸም ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ዓለም ተማሂርና ኣሎና።