Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

EDFበዚ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓልን ደገፍ ሰራዊት እተን ሃገራት ንተቓውሞ ህዝብን ዝረዓደ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዚ ቐረባ እዋን ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብወዛ (ተኽሊጥ) ክገብር ከምዝወጠነ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ንኹሎም ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ክሰርሑ ንወጻኢ ሃገራት ልኢኽዎም ዝነበረ ወከልቲ ህግደፍ ኣብ ሓጺር እዋን ኩሉ ሰነዳቶም ጠርኒፎም ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣትዉ መምርሒ ከመሓላልፈሎም ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ምንጭታትና ሓቢሮም።