Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Hanti aleኣብዛ ዓለምና ጭርሖታት ኣይወሓዱን፡ ኣብ ግብሪ ደኣ ኣይወዓሉን እምበር። ንኣብነት ኣብቲ ኮሙኒዝም ዓሚሩሉ ዝነበረ እዋን፡ ማለት ኣብ 50ታትን 60ታትን፡ ኩሉ መንእሰይ ዓለም፡ ናይ ማርክስን ለኒንን ጭርሕታት በብመገዱ ኣቃሊሑ ኢዩ።

Isaias20 ሰነ፡ ልቢ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ትትንክፍ፡ ምእንቲ ናጽነት ልኡላውነት ብድምር 84,000 ስውኣትና ንዝክረሉ ፍልይትን ክብርትን ዕለት ኢያ። ምኽንያቱ ሕልናና ኣእምሮና ብክልተ ዝተፈላለዩ ስምዒት ተዋሒጡ ስውኣት ንዝክር።

June 20ህዝቢ ኤርትራ ሓርነት ንምርካብ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ብኣሃዝ ኣብ ወረቐት ተጻሒፉ ክትርእዮ ኸለኻ ጥራይ ኳ ዘሰንብድ እዩ። ድርኩኺት ህድሞን ኣግነትን መረባዕን ኤርትራውያን ስድራቤታት ሰጊርካ፡ ምስ ነፍሲ-ወከፍ ‘ቲ ኣብ መንደቕ ክብረት ዝነበር ዘሎ ኣሳእሎም ፊት ንፊት ክትጠማመት ከለኻ ግን እቲ ኣሃዝ ብኣሽሓት ተራቢሑ ዝያዳ ትርጉምን ርዝነትን ስለዝህበካ ካብ ስንባደ ሓሊፍካ ትርጉም ነብስኻ ክትሓትት ትግደድ፡

ዎ ኩብርህዝቢ ኤርትራ ብሉጻት ደቅካን የሕዋትካን ኣቦታትካን ኣዴታትካን ንራህዋ ፍትሕን  ሰላምን ንሓርነትን ናጽነትን ዝኸፈልናዮ ኩቡር መስዋእትን ስንክልናን ሃልኽ ጻዕርን ንኸተዘንትወሉ ንሰማዒኡ ዘደንጹ ጅግንነት ህዝብና፤ሎሚ በዞም ህዝብና ዘይ መረጾም መሪቁ ቆጽሊ ኣውዲቁ ዘይ ባረከሎም ባዕሎም ብምልኪ ኣብ ስልታን ጥልመት ተወጢሖም ንብሕታዊ ተአቅሞም ክብሉ ንሃገርን ህዝብን ኣብ ሕሰመ መከራ ዘሳጥሑ ጃንዳ ህግደፍ 2 (ክልተ) ግዜ ትሃሲናን ተጨፍሊቕናን፡ እቲ ቀዳማይ ብ ባዕዳውያን ገዛእቲ እቲ ካልኣይ ግዜ ኻኣ ኢዚ ሕጂ ዘሎ መግዛእቲ ህግደፍ እቲ ቀደምሲ ዝኮነ ምኾነ ናይ ሕጂ ገሪሙኒ ኣነ እቲ ኣምሪርካ ዘሕዝንነካ  ድማ ህዝቢ ኤርትራ ደቅናዮም ኢሉ ኣሚኑ ኣብ ሞንጎኦም ኮይኑ ተቃልሱ ከይ ጠምዩ እና ኣብለዔን እና ኣስተየን ከስንቆም ኮሎ ደቅናን የሕዋትናን ኢሉ እምነት ስለ ዘንበረሎም ጥራሕ እዩ ዎዮ እምነት ድኣ ኣበይ ኣሎ።