Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ነቲ ንሰላሳ ዓመት ዝወሰደ፡ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ መሪር ቃልሲ ሰጊራ፣ ልእላውነታ ድሕሪ ምርግጋጻ፣ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ህግደፍ ”ኣብነት ሰላምን መሰረት ምዕብልናን ኣብ ኣፍሪቓ” ክትከውን እያ ዝብል ኣጉል ተስፋታትን ትጽቢታትን ዝነበሮ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኣህዛብ ዓለም ውሑዳት ኣይንበሩን። ከም ውጽኢቱ ድማ፣ እቲ በዚ ዝተታለለ ህዝቢ ኤርትራን ስርዓታትን ውድባትን ዓለምን፡ ኣብቲ ቀዳማይ መዋእል ናጽነት፡ ነዚ ሕጂ ዝቃወምዎን፡ ክሳብ’ውን ዝኹንንዎን ዘለዉ ኣረምኔ ስርዓት ህግደፍ ፣ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ንኽበጽሕ ዓቢ እጃሞም ኣበርኪቶም እዮም።