Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብፈለማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብኣረሜናዊ ስርዓተ ምሕደራ ህግደፍ ኣብ ገዛእ መሬቱ ከም ጊላ ይነብር ንዘሎ ተቓላሳይ ህዝብና ሰላምታና ነቐድም። ቀጺልና ንኹሎም ኣብ መላእ ዓለም ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ኢሎም ንዘለው ስደተኛታት ህዝብና ካብዚ ዘለናዮ ናይ ስደት ቦታና ማለት ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ ናይ ኣኽብሮት ሰላምታና ይብጻሕኩም ንብል።

መደበር ቴለቭዥን ኣጀዚራ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሕቡእ-ቪድዮ ካሜራ ዝተቐረጸ ‘መንግስቲ ዘእንግዶ ራዕድን ፍርሕን’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ምስክርነት ኣብ መደባታ ብምዝርጋሕ፡ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ብራዕዲ ተዋሂጡ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ዝወረድ ዘሎ ግፍዕን መከራን ኣቃሊዓ።