Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Asenaክቡራት ተኸታተልቲ ፈነወ ድምጺ ኣሰና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 1 መጋቢት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ  ናይ ራድዮ ፈነወ ፡  ካብ ሎሚ 8 መጋቢት ደው ከነብሎ ከምዝወሰንና ሓቢርናኩም ኔርና። ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ተኸታተልትና ብዝረኸብናዮ ግብረመልሲ መሰረት፡ ነቲ ድምጺ ኣሰና ደው ናይ ምባል ውሳኔ ኣሽንባይ ዶ ክትውዕሎ ክትሓስቦ ‘ኳ ዝድፍር ኣይኮነን።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳን፡ ኣብ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ንዘለዎም ናይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ሰላምን-ምርግጋእን ፖሊሲ ንምውህሃድ ዝዓለመ ዋዕላ፡ ን9ን 10ን ሕዳር(2009)  ኣብ ብራስለስ (በልጅም) ከካይዱ ምዃኖም ብኤርትራውያን ዝቖመ ሓይሊ ዕማም ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣረጋጊጹ።

እታ ናይ ሓሰረ መከራ ምስ ናይ ዶብ ሽግር ዝተኸስተት ኣይኮነትን  ጥራይ ቀንዲ ጸጋም ሃገርና። ከምኡ ዘየብል ኣዝዩ ጸላዊ ጥራይ ዘይኮነስ ካልእ ናይ ህላዌ ሃገር ዝፈታተን ጉዳያት እውን በዚ ዘሎ ገዛኢ ኣካል ዝተበተነ ብመደብ ዝተጠንጸሰሰ ከቢድ ኣዝዩ መሰረታዊ ፍሕሶታትን ወጥርታትን ኣሎ። ኣብቲ ኩሉ ናይ ዶባትና ዘጋጠመ ሽግራት ምስ ቅድሚ ምሕራር ኤርትራ ዝተኣልመ ዝተፋሕሰን ገመድ እውን ኣሎ።