Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዸጀንሓደ ካብቶም ድመቕ መጻኢ ብርሃን ሃገር ክኾኑ ዝተሓረዩ ፍሉይ ባህርያዊ ትዕድልቲ ዝነበሮም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ መንእሰያት ኢዩ። ተዋዛያይ ተጻዋታይ ዓውዓው በሃሊ ቂምታ ዘይሕዝ ነጻ ሰብ ኢዩ። ዝመስሎ ቅኑዕ ዝበሎ ካብ ምዝራብን ዝተራአዩ ይኸውንዩ ካብ ዝበሎ ምግባርን’ውን ድሕር ዝብል ሰብ ኣይነበረን።

ኣብዚ ቅንያት'ዚ ስርዓት ህግደፍ ሰራሕተኛታት መንግስቲ በልማማ ይኣስር ምህላዉ ዝሕብር ዜናታት ንሰምዕ ኣሎና:: እዚ ምልክት ጭንቀትን ዓቕሊ-ጽበትን ዝኾነ ስጉምቲ'ዚ: ነቲ በብዅርንዑ ብዘገምታ ዝጎሃሃር ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት፡ ሰዓቱ ሓልዩ ከይነትጕ ምእንቲ: ናይ ራዕድን ሽበራን ኩነት ፈጢርካ ንምዕፋኑን እንተተኻኢሉ ድማ ንምበርዓኑ ዝተወጠነ ናይ ፍርሒ ስጉምቲ ኢዩ::