Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Enoughኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ሓደ መንእሰይ ተጋዳላይ፡ ኣብ ጎደና ሓርነት ኣስመራ (ኮምብሽታቶ) ኣብ ዝርከብ እንዳ ሻሂ ምስ መሳትኡ ኣብ ዕሙር ዕላል ተጸሚዱ ኸሎ፡ ሓደ ስሉጥ-ሎቶሪ ዝሽይጥ ቆልዓ ሃንደበት ድምብር ኢሉ፡ “ሎተሪ ሎቶሪ” ኢሉ እናድሃየ፡ ነቲ ጥማር ሎተሪ ናብ ኢዱ ውትፍ ኣበለሉ።

ብመጀመርታ ነዞም ናይ ነዊሕ ዓመታት መማህርተይን ኣዕሩኽተይን ሰመረ ከሰተን ተስፋልደት በላይን ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ሃለዋትኩም ይረክብ ስለዘለኹ ኣብ ተዛማዲ ሰላም ምህላውኩም ክሰምዕ  ኣዝዩ ደስ ይብለኒ፡፡ ብምቕጻል ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንታት ካባኹም ዘይተጸበኽዎ ኣድላዩ ኮይኑ ዘይተሰመዓኒ ጽሑፋት ስለዘንበብኩ ናይ ኣይፋልኩምን መልእኽተይ ከመሓላልፍ ተገዲደ፡፡