Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Egyptን18 መዓልታት መመላእታ ኣዉያት ህዝቡ ዕሽሽ ብምባል ስልጣኑ ንኸይለቕቕ ሓንጊዱ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብሓይሊ ብረት ንልቢ ግብጻውያን ሰይሩ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተወጢሑ ዝጸንሐ ፕረዝደንት ግብጺ ነበር ሑስኒ ሙባረክ፡ ዓርቢ 11 ለካቲት 2011 ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሽወደን ን6 ዓመት ከምዘይሕጋዊ ስደተኛ ክቕመጥ ዝጸንሐ ወዲ 28 ዓመት ተስፋልደት ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣስታት 1. 2 ሚልዮን ክሮነር ሽወደን ወይ ድማ ኣስታት 170 ሽሕ ዶላር ዕጫ ሎቶሪ በጺሑዎ፡ ነዚ ብጽቡቕ ዕድሉ ዝረኸቦ ዓወት ክቕበል ሎሚ 5 መስከረም ኣብ ቴለቪዥን ከምዝቐረበ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።