Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

isaiasስርዓት ህግደፍ፡ “ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብጌግኡ ተኣሚኑ፡ ሓቅነትና ተረጋጊጹ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸሞ ጌጋ ይግምግሞ ‘ሎ ክብል ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ሓሶት ዘመተ የካይድ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

መኸተ ኣንጻር (u-n) ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህ-ግ-ደ-ፍ ዝወሰዶ እገዳ ብዝብል ጎስጓስ ክካየድ ክትሰምዕ ከሎኻ፤ ብሕልና ኤርትራዊ ቅቡል ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ እቲ ሰርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣምቢርዎ ዘሎ እገዳ ዓገብ ዝብል ጎስጓስ ሰለ ዘይተኻየደ። ንምዃኑ እቲ እገዳ ተረዲኡና ድዩ፤ እቲ እገዳ ንመን”ዩ፤ እነታይ እዩ’ኸ፤ እምባር’ከስ እቲ እገዳ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ኣሰና ከምዝተቐስናዮ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብጥምየት ኣመኽንዩ ንህዝቢ ካብቲ ንዘበናት ዝነበረሉ፡ ኣብያተ ክርስትያኑን መሳጊዱን ዑና ኣቦታቱን ዝተተኽሎ ዓድታት ብግዴታን ምትላልን ከፈናቕሎ ዝሓንጸጾ ውጥን ህዝቢ ይቃወሞ ‘ኳ እንተሎ ብወለንታ ኣምሲሉ ከተግብሮ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ ከካይደሉ ጀሚሩ ‘ሎ።