Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ውልቀ ምልኪ፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ፡ ማዕረ’ቲ ዕብየቱ እኳ ኣይኹን እምበር፡ ኣቀዲሙ ኣብ ዝተፈላለያ ዌብሳይታት ተጻሒፍሉ፡ ይጸሓፈሉ’ውን ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ዝኽተሎ ዘሎ ጸይቂ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ፡ ህዝብና ኣደዳ ቅትለት፡ ማእሰርቲ፡ ስደት፡ ከርፋሕ ናብራ ኮይኑ ዝወርዶ ዘሎ መከራ ኣዘንቲኻ ኣይውዳእን። ኣነ ግን ሕጂ ክጽሕፈሉ ተበጊሰ ዘለኹ ኣርእስቲ ብሰንኪ’ቲ ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ፡ ንህዝብና ደረጃ ብደረጃ እናልመሰ፡ ረሚስዎ ዘሎ ደርቂ ጥሜትን ዓጻቦን እዩ።