Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክፍሊ ኢሚግሬሽን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ክቕየር መምርሒ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ነቲ መስርሕ ምቕያር ብኮምፒተራዝድ ዝኾነ ኣገባብ (Digitalized process by Oracle Database) ክፍጽሙዎ ኣብ መንጎ ዝተወዓዓሉ ጀርመናውያን ክኢላታትን ስርዓት ህግደፍን ዘይምርድዳእ ከምዝተኸስተ ምንጭታት ሓቢሮም።

EDFኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነቲ ስርዓት ህግደፍ 88 ዓድታት ብሓይሊ ንምፍንቓል ዘውጽኦ ኣዕናዊ መደብ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ኮይኖም ክቃወሙዎ ጀሚሮም ከምዘለዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።