Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልዕሊ ኩሉ ብመጀመርያ ነቲ ዕቱብ ግብራዊ መልስኺ ካብ መዓሙቕ ልበይ ዝነቐለ ምስጋና ተቐበሊ። ማሕሙድ ሸሪፎ ጥራይ ዘይኮነስ ኣነ’ውን ከም ገዲም ተጋዳላይ ሓወቦኺ ኢየ። ስለዚ ካብቲ መልስኺ ብዙሕ ተማሂረ። ካልኦት ኣንበብቲ እውን ተማሂሮም ኣለዉ። ንስለ ናእዳን ምስጋናን ዘይኮነስ፣ ዝኣምነሉን ኣረጋጊጸ ዝህቦን መልሲ ከም ዝኾነ ከረጋግጸልኪ እፈቱ። ቀጺለ እውን ንትምህርቲ ክኾነና ገለ ካብ ተመክክሮታተይ ከንብር እፈቱ።

ኣብዚ ቅንያት እዚ ወርቃዊ ዝኾነ ተፈታውን ተነባብን እዋናውን ጽሑፋት ብስም እዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ዜጋ ከነንብብ ቀኒና፡፡ ውሕሉል ዝወጾ ዘይብሉ ዘበራብር ጽሑፍ ኮይኑ ረኺበዮ፡፡ ኣቶ ተስፉ ዘውደ ንዶክተር ዘይነብ ኣመስጊኖም ንተበግሶ ምሁራን ዝምልከት ኣርእስቲ ንእግረ መንገዶም ጠቒሶም ምሁራና እንቋዕ ድምጾም ጀመሩ ክብሉ ኣመስጊኖም።ናብ ዶክተር ዘይነብ ዝቐንዐ ምስጋና ዝድገፍ ኮይኑ ምሁራና ድምጾም ኣስሚዖም ሰማዒ ካብ ዝስእን ግን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ኮይኑ ኩሉ ጊዜ ምስ ተቓለሱ ሙኳኖም ክዝንጋዕ የብሉን፡፡

ከምቲ ዝበልክምዎ እታ ቅልዕቲ ደብዳቤ ንደንበ ተቓውሞ ኢለ ዝዘርጋሕክዋ ሓጻር ጽሕፍቲ ከምቲ ዝበልክምዎ እንተላይ ንህዝቢ ኤርትራ ትኹነለይ፡፡ ከምቲ ዝበልክምዎ ግን ታሪኽ ህ.ግ.ሓ.ኤ ሽሕኳ ከምቲ ናትኩም ብደቂቕ ኣፍልጦ እንተዘይብለይስ ብመጠኑስ እፈልጦ ኢየ በሃሊት ኢየ፡፡ ምስ መሓዙተይ ወፊረ ብዕድል ሃልየ ነዚ ዘሎ ስቓይን ብርሰትን ንምርኣይ ዝተዓደልኩ ቅርስስቲ ኢየ እንተበልኩ ምንባር ጸሊኤ ማለተይ ግን ኣይኮንኩን፡፡