Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ሕጉስን ትስፍውን ናይ በዓል ሃዋህው ኣሕሊፍኩም ክትኮኑ ዘሎኒ ትምኒት ድሕሪ ምግላጽ ንዝመጽእ ዓመት ከአ አብ ኣዝዩ ጥሙሕን ጥጡሕን ዝኾነ ሃዋህው ከነብዕሎ ዘሎኒ ተስፋ  ልዑል ምኻኑ ደጊመ ከዘኻኽረኩም እፈቱ።

ሃገርና ኤርትራ ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ብብዙሕ መከራን ሕሰምን ዝተሞኰረት ብሽግር ዝላደየት ስትንፋስ ናይ መሰል ወዲሰብ ኣስተማቒሩ ዘይፈልጥ ትሸዓተ ብሄራትን ብሄረሰባትን ዝሓቖፈት ብኹሉ ህዝብታታ ዝተፈትወትን እትናፈቕን ሃገር ምዃና ምስክር ዘየድልዮ፡ ንመዋእል ክቡር ሂወቱ ዝኸፈለን ጌና ዝኸፍለላ ዘሎን ካብ ጭቆና ተላቒቑ ዘይፈልጥ ዉጹዕ ህዝብታት ዝቖመት ሃገር እያ።